Friday , March 29 2024
Foto: Beatrice Ask (M), Mikael Oscarsson (KD), Karin Enström (M), Allan Widman (L)

ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ኣብ ባጀት ምክልኻል ብገዚፍ ተፈላልየን።

ዓቃባዊ ማእከላይ ሊበራላዊን ደሞክራስያዊ ክርስትያን ሰልፊን ብምኽንያት ኣብ ባጀት ምክልኻል እተራእየ ናይ ሓሳባት ምፍልላይ ካብ ባይቶኣዊ ሽማግለ ምክልኻል ነብሰን ምግላለን ይግለጽ ኣሎ።

ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝወዓለ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዘን ሰልፊታት እዩ እዚ ፍልልያት ከም እተጋህደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እተን ሰልፊታት ካብ ዓመተ 2020 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ዓመታት 84 ቢልዮን ክሮነር ንምክልኻል ክስላዕ ክእምማ እንከለዋ ሚኒስተር ምክልኻል ግና መንግስቲ ከይወሰነ ክሳብ ወቕቲ ኣየት ይጽናሕ በሃላይ እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ሚኒስተር ምክልኻል በጀት ምክልኻል ኣብ 2015 ካብ 53 ቢልዮን ናብ 75-83 ቢልዮን ክብ ክብል እማመ ኣቕሪቡ ኔሩ። ኣብ 2035 በጀት ሽወደን 115 ቢልዮን ክሮነር ክበጽሕ ኣለዎ።

ኣባላት ምክልኻል ከኣ ካብ 50 ሽሕ ናብ 120 ሽሕ ክብ ክብል ውን ገለ ካብቲ እቐዲሙ ዘእተዎ እማመታት እዩ።

እዚ መጽናዕቲ ናብ ዝመጽእ ተጋባኣይ ባይቶ ሽወደን ከም ዝቐርብን ውሳኔ ከም ዝጽበን ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com