Wednesday , April 24 2024
German Chancellor Angela Merkel (AP Photo/Markus Schreiber) MSC113

ሰልፊ መርከል ዝኾነ፡ ክርስትያን ዲሞክራትስ፡ ዝተሓተ ደገፍ ይረክብ

ሰልፊ ኣንገላ መርከል ዝኾነ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ፡ ዘለዎ ህዝባዊ ድገፍ ናብ 19% ምንቊልቋሉ ኣብ ቀረባ እዋን እተኻየደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ንናይ መርከል፡ CDU፡ ከምኡውን ኣብ ባቫርያ እትርከብ ልፍንታዊ ሰልፊ CSU ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወሓደ ደገፍ ኣድመጽቲ፡ ማለት 19%፡ ብምምዝጋቡ፡ ሰልፊ ክሪስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ካብ ዘመዝገቦም ቁጽርታት፡ እቲ ዝተሓተ ምዃኑ ይግለጽ።

ብመሰረት እዚ ብ ትካል ፎርሳ ዝተኻየደ መጽናዕታዊ ዳህሳስ፡ ኣካል መንግስቲ ዝኾነ ማሕበራዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ፡ 25% ደገፍ ብምርካቡ፡ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ።

ኣንገላ መርከል፡ ቅድሚ ምርጫ፡ ንኣርሚን ላሼት ኣብ ምብርታዕ ከም እትርከብ ተገሊጹ።

“ሃገርና ናበይ ኣንፈት ከም እትኸይድ ዝውስን ኣገዳሲ ውሳነ እዩ፥ እቲ ዝበለጸ ድማ ኣርሚን ላሼት ዝመርሒ ልፍንቲ CDU/CSU እዩ ” ክትብል ኣንገላ መርከል ኣብ ቡንደስታግ ኣብ ዝሃበቶ ናይ መወዳእታ ክኸውን ከምዝኽእል ዝንገረሉ መደረኣ ገሊጻ።

ከምዚ ዝበለ መንግስቲ፡ ንርግኣትን ምትእምማንን እቲ ዝሓሸ ምዃኑ ከም እትኣምን እውን ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብላንሸት ዝቐርብ ዘሎ ቅድመ ምርጫዊ መብጻዓታት፡ ህዝቢ ብቐሊሉ ክቕበሎም ከምዘይከኣለ እዩ ዝንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com