Thursday , April 25 2024

ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ናይ ኣስታት 36.7% ኣድመጽቲ ደገፍ ከም ዘለዎ ተገሊጹ።

ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ናይ ኣስታት 36.7% ኣድመጽቲ ደገፍ ከም ዘለዎን እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝተራእየ
ዝዓበየ ደገፍ ምዃኑን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። በዚ ድማ ምስ መሻርኽቱ ሰልፊታት ብጠቕላላ ናይ 54% ኣድመቲ ደገፍ ከም ዘለዎ
ዝሓበረት እታ ሬድዮ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሞደራትናን መሻርኽቱን 44.3% ደገፍ ከም ዘለዎም ወሲኻ ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ
ሎሚ ምርጫ እንተዝግበር ለውጢ መንግስቲ ምሃለወ ኔሩ ክትብል ኣመልኪታ’ላ።
ብኻልእ ሸነኽ ሰልፊ ማእከላይ ዝጸንሖ ህዝባዊ ድጋፍ እናንቈልቈለ ብምምጻእ ናብ ኣስታት 5.1% ወሪዱ’ሎ። ሓድሽ መራሒ
ሰልፊ ማእከላይ ሙሓረም ደሚሮክ ገጠራት ሽወደን ዘለዎ ደገፍ ንምዕዛዝ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com