Friday , April 19 2024
Moderaternas partiledare Ulf Kristersson (M) Foto Stina Stjernkvist / TT kod 11610

ሰልፊ ሞደራትና፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ውን ክእሰሩ ኣለዎም ይብል

ዓቃባዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ገበነኛታት፡ ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ከይተረፉ፡ ክእሰሩ ይግባእ ክብል ወሃብ ቃል ሕጋዊ ጉዳያት ናይቲ ሰልፊ፡ ዮሃን ፎርሰል፡ ንጋዜጣ ዳገንስ ደባት፡ ሓቢሩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ’ቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡  ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ንሓደ ፖሊስ ከምዝቐተለ ብጥርጣረ ምትሓዙ እዩ።

ሰልፊ ሞደራትና፡ ናእሽቱ መንእሰያት ንኽእሰሩ ዘኽእል ሕጊ ንኽጸድቕ፡ ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ ከምዘሎ፡ ፎርሰል ድሕሪ ምሕባሩ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣተሓሕዛ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ከበድቲ ገበናት ዝፍጽሙ ናእሽቱ መንእሰያት፡ ጽልዋ ከምዘይብሉ ኣዘኻኺሩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ዝነውሐ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ክውሰነሎም ከምዝግባእ ኣብቲ እማመ ተገሊጹ ኣሎ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com