Saturday , April 20 2024

ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ንዜጋታት ሽወደን ዘይኮኑ፡ ዝወሃብ ሓለፋታት ከቋርጽ ጸዊዑ

ሃገረ ሽወደን፡ መስሕብ ስደተኛታት ንኸይትኸውን ብዝብል ዕላማ፡ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ሓድሽ እማመ ከምዘቕረበ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ሓድሽ እማመ፡ ንዜጋታት ሽወደን ዘይኮኑ (ስደተኛታት) ዝወሃብ ከም ሓገዝ ቆልዑ፡ ሓገዝ ገዛ ክራይን መልዕሎን ዝኣመሰሉ ሓለፋታት፡ ከቋርጽ ዝጽውዕ እዩ።

እዚ ሓድሽ እማመ እንተድኣ ኣብ ግብሪ ውዒሉ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ንስደተኛታት ከም ማእከል ስሕበት ክትከውን ስለዘይትኽእል፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ክውሕድ እዩ ክብሉ ሓላፊ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ጂሚ ኦክሶንን ወሃብ ቃል ቁጠባዊ ጉዳያት’ቲ ሰልፊ፡ ኦስካር ኾስቴድ፡ ኣብ ዓምዲ ርእይቶ ናይ ጋዜጣ ስቬንስካ ዳግብላደት ጽሒፎም።

ሓገዝ ህጻናት፡ ሓገዝ ገዛ ክራይ፡ ሓገዝ ስድራ ቤት፡ ንሽማግለታት ዝወሃብ ደገፍ፡ ናይ ሕማም ዝወሃብ ሓገዝን ካልእ ሓለፋታትን ንሽወደናውያንን ንዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ዝምልከት ጥራይ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ኣብ ጽሑፎም ገሊጾም።

ሽወደን ከምዚ ክትገብር እንተ ክኢላ፡ ዓመታዊ ካብ 7 ክሳብ 8 ቢልዮን ክሮነ፡ ከተድሕን ክትክእል እያ ክብሉ ኣብ ጽሑፎም ወሲኾም ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com