Saturday , April 20 2024

ሰልፊ ኣከባቢ (Milijöpartiet)፡ ሚርታ ስቴነፊ ን ኢዛቤላ ሉፊን ንኽትትክኣ ሓጽዩዋ

ኮሚቴ ሕርያ ሰልፊ ኣከባቢ፡ ንኢዛቤላ ሎቨን ተኪኣ ከም ኣደወንበር ናይቲ ሰልፊ ኮይና ክትሰርሕ እትኽእል ኢሉ፡ ንማርታ ስተነፊ፡ ከምዝሓጸያ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።

ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ሕርያ ሰልፊ ኣከባቢ፡ ካተሪን ቪሲን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ስተንፊ፡ ተኣማኒትን ጽንዕትን ስለ ዝኾነት ነቲ ሰልፊ ጠርኒፋ ናብ  ዝቕጽል ወፍሪ ምርጫ ከተሰጋግረና ትኽእል እያ ኢላ።

ሓላፊ ሰልፊ ዝኸውን ሰብ፡ ኣብቲ ኣብ ዕለት 31 ጥሪ ዝግበር ኣኼባ ሰልፊ ክምረጽ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣቐድም ኣቢላ፡ ሚኒስተር ጾታዊ ማዕርነት፡ ኦሳ ሊንድሆቨን፡ መራሒት ናይዚ ሰልፊ ንኽትከውን ተሓጽያ ዘላ ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ይዝከር።

ቀዳማይ ስርሐይ፡ ንመረጽቲ ረኺበ ምዝርራብ እዩ ክኸውን ክትብል፡ ስተኒፊ፡ ጠቒሳ።

ኣነ ተራ ወላዲት እየ። ብዛዕባ መጻኢ ዝሻቐሉ ደቂ ኣለዉኒ ድሕሪ ምባል፡ ንሕና ነቶም ናይ ግሬታ ሶንድቤሪ ወለዶ ንቃለሰሎም ከምዘለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ወለዲ ናይዞም መንእሰያት፡ ከባብያዊ ዕንወት ንምድሓን ክንክእል ምእንቲ፡ ኣብ ልዕሌና እምነት ከሕድሩን ድምጾም ክህቡናን ይግባእ ክትብል ኣረዲኣ።

ንሳ፡ ጠንቂ ምንቁልቋል ህቡብነት ናይ ሰልፊ ኣከባቢ፡ ብተደጋጋሚ ምስ ወሃብቲ ድምጺ (መረጽቲ) ተራኺብና ክንዝትን ፖሊሲ ናይ ሰልፍናን መደባትና ብጹር ከነመሓላልፍ ብዘይምኽኣልና እዩ ትብል። ኣብ ልዕሊ ሰልፍና ምትእምማን ንኸሕድሩን ማዕርነት ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ እነካይዶ ቓልሲ ክርድኡልና ንደሊ ብምባል ሰፊሕ መብርሂ ሂባ።

ኣንተድኣ እቶም ተሓጽዮም ዘለዉ 5 ኣብ ዝተፈላለዩ መግስታውያን ጽፍሕታት ዝሰርሑ ( ኣባላት ባይቶን ናይ ምምሕዳር ፖለቲከኛታት) ኣብ መስርሕ ምርጫ ክቕጽሉ እንተ መዲቦም፡ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ንምግምጋም እሸጋሪ ክኸውን እዩ።

ብመሰረት ኮሚቴ ምርጫ፡ እዞም ሕጹያት፡ ኣብ ምርጫ ናይ ምቕጻል መደባቶም ንምውሳን እዘን ዝቕጽላ ቀዳመ ሰንበት ናይ መሕሰቢ እዋን ከምዘለዎም ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com