Thursday , March 28 2024
Claudio Bresciani/TT

ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ተመለስቲ ዳዕሽ ንዘውጽኦ እማመ ነቒፍዎ።

ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ተመለስቲ ዳዕሽ ንዘውጽኦ እማመ እኹል ኣይኮነን፥ ኣዝዩ ዝደንጎየ እዩ ብምባል ነቒፍዎ።

ወኪል እቲ ሰልፊ Andreas Karlsson ኣባል ወይ ተደናጋጺ ደቀንስትዮ ዝዕምጽ ጒጅለ ዝኾነ ሰብ ብኽሕደት ክፍረድ ይግብኦ እዩ ኢሉ’ሎ።

ሊበራላውያን ብወገኖም ነቲ እማመ ብምድጋፍ ንግብረሽበራውያን ዝዳኒ ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ክቐውም ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ሓምላይ ሰልፊ ምምላስ እዞም ወተሃደራት ተቓዊማ “ቆልዑ ግና ብገበን ኣቦኦም ክሕተቱ ኣይክእሉን እዮም” ድሕሪ ምባል ኣብ ውሽጢ ሽወደን ይኹን ኣብ ወጻኢ ንግብረሽበራውያን ዝዳኒ ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ክቐውም ደጊፋ።

ጸጋማዊ ሰልፊ ምስ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝደጀኖን ኩርዳውያን ዝህሉ ምትሕግጋዝ ክድልድል ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com