Tuesday , April 23 2024

ሰልፊ ዕዮ ዓባይ ብሪጣንያ ሓድሽ ምርጫ ይደሊ – ከምኡውን ረፈረንድም

ብሪጣናውያን ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ብረክሲት ኪውስኑ ዲዮም?” ወይስ በቲ ካልእ ኣማራጺ ብምኻድ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘውጽኣ ፍትሕ ደው ከብሉዎ እዮም? ።

እዚ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብቲ ናይ ሊቨርፑል ኣኼባኡ ኪፈትሖ ዘለዎ ዓቢ ብድሆ እዩ።

ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ኤ.ሕ ንኽትወጽእ ፍርቂ ዓመት ተሪፉዋ ኣብ ዘላትሉ ግዜ ኣብ ቀውሲ እያ እትርከብ ዘላ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ ከመይ ኢላ ከም እትወጽእ ጸንኪሩዋ እዩ ዘሎ። እቲ ትልሚ ቸከር ዚብሃል ከመይ ኢሉ ኣብ ፓርላማ ኣንጻር ተቓወምቲ ከም ዚስዕር በርቲዑዋ ኣሎ። ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ወሪዶም፡ እቲ ወቐሳ ድማ ናብ መንግስቲ ቀኒዑ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከኣዩ እቲ ተቃዋሚ ዝኾነ ሰልፊ ዕዮ ነዚ ጉዳይዚ ኣመልኪቱ ዝመጽእ ሰሉስ ዚእከብ ዘሎ።

ሽሕኳ እቲ ኣብ ናይ ተረዛ መይ ሰልፊ ዘሎ ፍልልያት ብዙሕ እንተ ዘይተቓለሐ፡ ንብረክሲት ብዚምልከት እቲ ኣብ ሰልፊ ዕዮ ዘሎን ኣብቲ መንግስታዊ ፓርቲ ወይ ቶሪ ዘሎን ፍልልይ ይመሳሰል እዩ። መራሕ ሰልፊ ዕዮ ጀረሚ ኮርቢን ጸረ ኤ. ሕ እዩ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ባይቶ ግን ኣብ ኤ.ሕ ኪጸንሑ ይደልዩ።

ሓድሽ መንግስቲ ኪመጽእ ይድለ

ተረዛ መይ ነቲ ጸገም ክትፈትሖ ብዘይ ምኽኣላ፡ ኮርቢንን መሪሕነት ሰልፍን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓድሽ ምርጫ ኪካየድ ይደልዩ። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ድማ ነቲ ናይ ኣባላት ባይቶ ናይ ረፈረንደም ጠለብ ኪቕበሉዎ ኣይደለዩን።

ንሳቶም ኣብቲ ምድርዳር ምስ ኤ.ሕ ሓድሽ መርገጺ ዘለዎ መንግስቲ ኪምስረት ይደልዩ፡ ሓቢራ ካትሪን በርናርድ፡ ናይ ኤ.ሕ ሕግታት ፕሮፈሰር ኣብ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ፡ ን TT

እቲ ሰልፊ ዕዮ ኣብቲ ናይ ኤ.ሕ ናይ ጉምሩክ ሕብረት ኪጸንሑ ይደልዩ፡ ሽሕኳ እቲ ሕብረት ከምቲ ናይ ሕጂ እንተ ዘይኮነ፡ ይብል ባርናርድ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ካብቲ ተረዛ መይ እትብሎ ፍዅስ ዝበለ ብረክሲት ማለት እዩ።

ረፈረንደም ይድለ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ናይ ሰልፊ ዕዮ መራሒ እቲ ሰልፉ ሓድሽ ረፈረንድም ከም ዚደሊ ሓቢሩ፡ ማለት እቶም ኣባላት ከምኡ ምስ ዚደልዩ። ከምኡ ዚደልዩ ድማ ይመስሉ። 86 ሚእታዊት ኣባላት ሰልፊ ዕዮ ነቲ ረፈረንደም ስለ ዚድግፉዎ ምርጫ ኪካየድ ይጠልቡ።

እቲ ሰሉስ ዚካየድ እማመ፡ እቲ ሓድሽ ፓርላመንታዊ ምርጫ ዘይካየድ እንተ ኾይኑ ”ኩሉ ኣማራጺ ኣብ ሰደቓ ከም ዘሎ” ዚገልጽ እዩ።

እቲ ሓድሽ ምርጫ ንኽካየድ ዘሎ ዕድል ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓድሽ ምርጫ ኪካየድ እዩ ይብሃል ኣሎ። ግን እዚ ወረዚ ርጉጽ ኣይኮነን ትብል ባርናርድ።።

እቲ ሰልፊ ቶሪ ሓድሽ ምርጫ ኣይደልን እዩ፡ ንሰልፊ ዕዮ ስለ ዚፈርሆ። ነቶም ኣኽረርቲ ደገፍቲ ብረክሲት፡ ከምዚ ምግባር ካብ ሞት ይኸፍእ። ዝኾነ ኾይኑ፡ ኣብ ክትንበየሉ ዘይትኽእል ግዜ ኢና እንነበር ዘሎና። ።

ኪትግበር ይኽእል እዩ።

ጌና ረፈረንደም ኣሎ፡ ብመሰረት እማመ ሰልፊ ዕዮ።

ኩሎም ማሕበራት ሰራሕተኛታት ሓድሽ ረፈረንደም እዮም ዚደልዩ፡ ትብል ካትሪን ባርናርድ። ስለዚ ኪትግበር ይከኣል እዩ።

እቲ ጸገም ግን ናቶም እተኸፋፈሉ ሰልፊ ዕዮ እዩ። እቲ ዚህሉ ረፈረንድም ንብረክሲት ዚሰብር ወይ ኣብ ኤ.ሕ ዘጽንሓ ኣማራጺ ኣለዎ ዲዩ?

ወይ ድማ ሰብ ዚመርጽ ነቲ ፍትሕ ከመይ ከም ዚካየድ ንምርኣይ ዲዩ? ባርናድ፡ ምርርድዳእ ከም ዚህሉ ትገልጽ። መጀመርታ ናይ መይ ትልሚ ቸከር ምስባር፡ ምእንቲ ፓርለመንታዊ ምርጫ ኪካየድ። መይ ነዚ እንተ ዘይሰምዓቶ እቲ ረፈረንደም ኪካየድ ግዴታ ኪኸውን እዩ። ።

ግን ካልኣይ ረፈረንደም ዚህሉ ኣይመስለንን ትብል ባርናርድ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com