Thursday , April 25 2024

ሰልፍና ምስ SD ክዘራረብ ድሉው’ዩ ክብል መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Ulf Christerson ገሊጹ።

ሰልፍና ምስ SD ክዘራረብ ድሉው እኳ እብተኾነ ናብ ዝኾነ ቀጽሪ ወይ ምምስራት መንግስቲ ግና ኣይንኣቱን ኢና ክብል መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Ulf Christerson ገሊጹ።

“ምስ ኲሎም ሰልፊታት ክንዘራረብ ድሉዋት ኢና–እዚ ማለት ግና ሓድሽ ቀጽሪ ክነቕውም ኢና ማለት ኣይኮነን” ክብል ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ ኣስፊሩ’ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ መሻርኽቱ ዝኾነት ፕረሲደንት ክርስትያናዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ Iba Bosch Tor ትማሊ ምስ Sverige Domkraterna ክትተሓባበር ዘለዋ ድሉውነት ብጋህዲ ድሕሪ ምግላጻ እዩ።

Christerson እዚ ጒዳይ ንሽወደንን መስርሕ ዴሞክራሲን ሃሳዪ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ ኢሉ’ሎ።

ዓቃባዊ ሰልፊ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝግበር ክትዕ ዝተፈላለዩ ጒዳያትን መርመራታትን ብትግሃት ከም ዝሳተፍ ከኣ ገሊጹ።

ሸውዓቲአን ሰልፊታት ምስ SD ብዘለወን ዝምድና ለሚሰን ክተርፋ ክፍቀድ የብሉን ክብል እውን ኣጠንቂቑ’ሎ።

ሰልፉ ናይ ዝኾነ ይኹን ጥምረት ይኹን ቀጽሪ ኣባል ከም ዘይትኸውን ድማ ደጊሙ ኣስሚሩሉ’ሎ።

“እቲ ምኽንያት ንጹር እዩ። መሰረታዊ ክብርታት ሰልፍና ኣብኡ ኣይርከብን እዩ” ክብል ድማ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com