Friday , April 19 2024
Last week, more than 11,000 new unemployed were admitted to the Swedish Public Employment Service Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 11,394 ሰባት፡ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ከምዝኾኑን 9,981 ሰባት ድማ ስራሕ ዝጀመሩ ከምዝኾኑ መዛግብቲ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ 400,117 ብምብጽሑ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 7.7% ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዝርከቡ መንእሰያት ድማ 52,208 ከምዝኾነን፡ በዚ ድማ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይዞም መንእሰያት 10.1% በጺሑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ 1,876 ሰባት፡ ካብ ስርሖም ከቋርጹ ምዃኖም ሓበሬታ ተዋሂብዎ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com