Thursday , March 28 2024
The number of openly unemployed people fell last week, according to the Swedish Public Employment Service Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ብዝሒ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣስታት 374,497 በጺሑ ምህላዉን፡ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብኣስታት 2,827 ከም ዝጎደለ እዚ ድማ 7.4% ከም ዝኾነን፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት፡ ስራሕ ከምዝጀመሩን 8,393 ሓደስቲ ሰባት ኣብ መዝገብ ስራሕ ኣልቦ ከምዝሰፈሩ እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።

ቁጽሪ ናይቶም ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ብዘይ ስራሕ ዝጸንሑ ሰባት፡ ብ964 ብምጉዳሉ፡ ናብ 180,351 በጺሑ ምህላዉ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com