Friday , March 29 2024
(AP Photo/Andrew Medichini, file) LLT110

ሰሙናዊ ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,391,713 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  86.5% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቶም 82.1% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 7,015,719 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።

ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,196,688 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ኮይኖም፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ድማ፡ 15,142 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ፡ ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com