Friday , March 29 2024
Photo From the nightly parade in the capital Pyongyang on Thursday (Korean Central News Agency/Korea News Service via AP) KNS815

ሰሜን ኮርያ: ሓድሽ ፈተነ ሚሳይል ኣካዪዳ 

ሰሜን ኮርያ: ብምኽንያት መበል 73 ልደት እታ ሃገር: ፈተነ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ሚሳይል ምክያዳ KCNA ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ: መራሒ ሰሜን ኮርያ “ኣብ ዓለም ኣዝዮም ዝሓየሉ” ምዃኖም ዝገለጾም ኣጽዋር ኣብ ምርኢት ሰልፊ ቀሪቦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

 

“እዚ ሰሜን ኮርያ ንጐረባብታን ኣህጒራዊ ማሕበረሰብን ጸጥታዊ ስግኣት ምዃና ዘርኢ ተግባር እዩ” ክብል ፔንታጎን ሓቢሩ’ሎ።

 

እዚ 1500 ኪሎሜትር ከም ዝጐዓዝ ዝንገረሉ ሚሳይል: ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ፈተነ ምትኳስ ከም እተገብረሉን “ስትራቴጅያዊ ኣገዳስነት” ዘለዎ ምዃኑን ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። እዚ ፈተነ: ስርዓተ ኣጽዋር እታ ሃገር ኣብ ዘገርም ብቕዓት ምህላዉ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ።

 

ሰራዊት ደቡብ ኮርያ: ብዛዕባ እዚ ፈተነ ተዂሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ነቲ ኲነታት ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር የጽንዖ ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ደቡብ ኮርያ: ካብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ዝውርወር SLBM ዝተሰምየ ሚሳይል ምምዕባላ ዝፍለጥ እዩ። ሰሜን ኮርያን ፕሮግራም ምምዕባል ኑክሌራዊ ኣጽዋራን: ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ እገዳ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ምእታዋን ዝኾነ ፈተነ ሚሳይል ከይተካይድ ተኣጊዳ ምጽንሓን ዝፍለጥ እዩ።

 

ሰሜን ኮርያ: ድሕሪ ወርሒ መጋቢት ከምዚ ዝበለ ፈተነ ተዂሲ ክትገብር ፋልማያ ምዃኑ ተገሊጹ። ደቡብ ኮርያ፥ ጃፓንን ኣመሪካን ንፈተነ ምምዕባል ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሰሜም ኮርያ ኣመልኪተን ንምዝታይ ክራኸባ እየን ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com