Friday , April 26 2024
Rwandan armed forces prepare to board a flight to Mozambique, at the airport in Kigali, Rwanda Saturday, July 10, 2021. Rwanda on Friday said it would immediately deploy 1,000 members of its armed forces and police to northern Mozambique to help battle an Islamic extremist insurgency. (AP Photo/Muhizi Olivier) NAI109

ሰራዊት ሩዋንዳ: ኣብ ሞዛምቢክ: ዓሰርተታት ጂሃዳውያን ቀቲሎም

ዕጡቓት ግብረ ሽበራውያን ንምዕጋት ናብ ሞዛምቢክ ዝወፈረ ሰራዊት ሩዋንዳ: 30 ዕጡቃት ከም ዝቐትለ ቢቢሲ ሓቢራ።

ሰራዊት ሩዋንዳ: ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ፓልማ: ኮለላን ዳህሳስን እናካየዱ ምስቶም ዕጡቓት ከም እተታኾሱን እዚ ከም ዘጋጠመን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ናብ ሞዛምቢክ 1000 ወተሃደራት ሩዋንዳ ከም እተዋፈሩ ዝፍለጥ እዩ።

ኣባላት ቀጽሪ ደቡባዊ ዞን ኣፍሪቃ: ሰራዊተን ናብ ሞዛምቢክ ኣዋፊረን ምህላወን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ: ፖርቱጋል እውን ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ምስልጣን ከም እትርከብ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ራብዓይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ግጭት ሞዛምቢክ: ክሳብ 800 ሽሕ ሰባት ተፈናቒሎም ምህላዎም ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com