Friday , April 19 2024
Credit: Jessica Gow/TT

ሰራዊት ሽወደን “ቲክቲክ” ከይጥቀሙ ተኣጊዶም።

ኣባላት ሰራዊት ሽወደን ኣብ ናይ ስራሕ ሞባይሎም ይዂን ታብሌቶም ማሕበራዊ ሚድያ “ቲክቶክ” ከይጥቀሙ ተኣጊዶም። በዚ
ድማ ነቲ ኣፕሊኬሽን ዳውንሎድ ምግባር ክኸልከል እንከሎ እቶም ኣቐዲሞም ነዚ ኣፕሊኬሽን ዳውንሎድ ጌሮም ዝጸንሑ ኸኣ
ብህጹጽ ክስርዝዎ ካብ ሰራዊት ሽወደን ንዂሎም ኣባላት እተዘርግሐ ናይ ኢሜይል መልእኽቲ ኣጠንቂቑ። እዚ ብ ኲባንያ ቻይና
ዝውነን ኣፕሊኬሽን ናብ ውሻጠ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ዝኣቱ ብምዃኑ፡ ቻይና ኸኣ ነዚ ሓበሬታ ትእክቦ እያ ብዝብል ስግኣት እዩ እዚ
እገዳ ተጌሩ ዘሎ።
ባይቶ ኣውሮጳ፥ ከምኡ’ውን ከምኒ ኣመሪካ፡ ካናዳን ደንማርክን ዝበሉ መንግስታት፥ ሰራሕተኛታቶም ኣብ ናይ ስራሕ ሞባይሎም
“ቲክቶክ” ከይጥቀሙ ከልኪሎም ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ሽወደን ግና ከምዚ ዓይነት መምርሒ ከተመሓላልፍ ሕጂ ፋልማያ
እዩ።
ይዂንምበር ኣብ ሰራዊት ገዲፍካ፥ ዝተፈላለያ ኤጀንሲታት ሽወደን ሰራሕተኛታተን ነዚ ኣፕሊኬሽን ክጥቀሙ ከም ዘፍቅዳ
ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com