Saturday , April 20 2024

ሰብ መዚ ሽወደን ንዕጡቓት ብረት የጠንቅቑ።

ሰብመዚ ኣኽባር ሕጊ ሽውደን ኣባላት ዳዕሽ ብዝኾኑን ኣብ ሶርያን ዒራቕን ከቲቶም ብዝጸንሑ ሽወደናውያን ሰብ ብረት ኣብ ልዕሊ ሰባት ወንጀል ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማት መርመራ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ንሳቶም ንጋዜጠኛ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ገበን ተፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዎምን ብመሰረት ኣህጒራዊ ሕጊ ነዚ ክምርምሩ ግዴታ ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ።

ንሳቶም እቲ ገበን ኣበይ ተፈጺሙ ብዘየገድስ ምጽጻይ ዓሌት ብወንጀል ዘቕጽዕ ተግባር ምዃኑን ሽወደን በዚ ንዝጥርጠሩ ሰባት ዘድሊ መርመራ ክትገብር ምዃናን ን ጋዜጠኛ ሪና ገሊጾምላ ኣለዉ። እዚ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ዝወረደ ክሲታት ክውስኽ እዩ ዝብል ግምታት ከም ዘለዎም እውን ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ እተፈጸሙ ገበናት ስኑዳት ምዃኖምን ንኽሲ ዝበቅዕ ሓበሬታ ምህላዉን እቶም ኣባላት እቲ በዓል መዚ ብተወሳኺ ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com