Thursday , April 25 2024

ሰኑይ ምሸት ንሰማይ ምንቅዕራር ኣይትረስዑ።

ኲነታት ኣየር እንተፈቒዱ ደም እትመስል ክንዲ ዓውዲ ትኸውን ወርሒ ክትርእዩ ኢኹም። መዘኻኸሪ፥ እቲ ንምርኣዩ ዘገርም ምሉእ ምግራድ ወርሒ ኣብ 2029 እዩ ከጋጥም ተባሂሉ ተቐሚሩ’ሎ።

ወጋሕታ ሰኑይ ምሉእ ምግራድ ወርሒ ከጋጥም እዩ። ምልእቲ ወርሒ ብመሬት ምሉእ ብምሉእ ክትጋረድ እያ።

እዛ ወርሒ ከምተን ካልእ ግዜ እንርእየን ዘይኮነ ክንዲ ዓውዲ እትኽወን ገዛፍ ወርሒ ኣያ ክትከውን።

ናይዚ ዓመት ጠፈራዊ ክስተታት ክከታተሉ ንዝደልዩ ማእከል ሳየንስ ዩኒቨርሲቲ Umeå ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ጀሚሩ ክፉት ክኸውን እዩ።

ደበና እንተ ዘይጋሪዱና እዚ ግርደት ወርሒ ኣብ መላእ ሽወደን ብጽቡቕ ክረአ እዩ። እዚ ግርደት ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ክዘልቕ እዩ።

ምሉእ ግርደት ድማ ኣብ መንጐ 5:40 ክሳብ 6:43 ክኸውን እዩ። ሰባት ናብ ስርሖም እናኸዱ ቅንዕ ኢሎም ንሰማይ ክጥምቱ Marianne Eik ምዒዳ’ላ።

እታ ወርሒ ኣጸቢቓ ኣብ እትበርሃሉ ከባቢ ሰዓት 6፥12 እዚ ግርደት ኣጸቢቑ ነጺሩ ክረአ እዩ ኢላ።

ነዚ ትርኢት ኣዝዩ ሰሓቢ ካብ ዝገብርዎ ነገራት ሓደ ክቢ ምድሪ ክትርእዮ ትኽእል ምዃኑ እዩ ትብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com