Tuesday , April 23 2024
AP/TT

ሰንበት ዕለት 27 ክታበት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሽወደን ክጅመር ሙኻኑ ተሓቢሩ

ሰንበት ዕለት 27 ናይ መጀምርያ ክታበት ኣብ ሽወደን ክወሃብ ሙኻኑ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ኣፍሊጡ። እቶ ቀዳሞት ተጠቀምቲ እዚ ክታበት ድማ ኩሎም ብዕድመ ዝደፍኡን ኣብ መናበዪ ዓበይቲ ዝእለዩን ኣለይቶምን  ሙኻኖም እዚ በዓል መዚ ወሲኹ ሓቢሩ።

ዕለት 27 ሰንበት ኣስታት 10000 ብልቃጥ ክታበት ከምዝወሃብን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዝያድ ምክልካል ተባሂሉ ከክልተ ክታበት ከምዝወስድን፣ ኣብ ዝቕጽል ስሙን ድማ ሰሙናዊ  ኣስታት 80000 ብልቃጥ ክታበት ክወሃብ ሙኻኑ ይሕበር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞብባ ኣብ ብዝሒ ተቐማጦ እቲ ከባቢ ተመርኪሱ ዝውሰንን ዝከፋፈል ሙኻኑን ድሮ ኩሉ ምድላዋት ከምዝተጻፈፈ  ለና ሃለንግረን ትሕብር። ንሳ ወስካ ሽወደን ንኩሉ ነባሪ ዝኣክል ዓቀን ከምዝገዝኤትን  እቲ ዕላማ ድማ ኩሎም መናሰያትን ግዳይ እዚ ሕማም ዝኾኑ ህጻናትን ስጋብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ክኽተቡ  ሙኻኖ ትሕብር።

ብተወስኺ እዚ ክታበት ብ ነጻ ብድልየትካን ጥራይ ማለት ነብሲ ወከፍ ሰብ ናጻ ሕርያ ናይ ምኽታብ መሰል ከምዘለዎ ይሕበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com