Friday , March 29 2024
Credit: KUSTBEVAKNINGEN/TT Nyhetsbyrån

ሰይመር ሀርሽ፥ “ምምሕዳር ባይደን ክሳብ ሕጂ ንምፍንጃር መትረብ ጋዝ “ኖርድ ስትሪም 2’ ይኽሕድ ኣሎ”

ቅድሚ ሽዱሽተ ሳምንታት መርማሪ ጋዜጠኛ ሰይመር ሀርሽ፡ ኣብ ወርሓ መስከረም ብዛዕባ እተኸስተ ምፍንጃር መትረብ ጋዝ
“ኖርድስትሪም 2” ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ተቐባልነት ምርካቡ ተገሊጹ። እዚ 11 ቢልዮን ዶላር ዝወድአ መትረብ
ጋዝ ካብ ሩስያ ናብ ጀርመን ዝነበረ ሰደድ ጋዝ ብዕጽፊ ከዕቢ እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩሉ ኔሩ እዩ። ጻብጻብ ሀርሽ ኣብ ጀርመንን
ምዕራብ ኣውሮጳን ብዙሕ ኣቓልቦ እኳ እንተረኸበ፡ ብኣመሪካ ግና ከም እተነጽገ ጸብጻባት የመልክቱ።
ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ን ዋሺንገን ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ወኪላት ድሕነት ኣመሪካን ጀርመንን ጸብጻብ ሀርሽ ንምሽፋን
ኣብ ጋዜጣ “ኒውዮርክ ታይምስ’ ከምኡ’ውን ሰሙናዊ ጋዜጣ “ዴ ዘይት” ሓደ ትረኻ ምምሃዞም ሂልሲንኪ ታይምስ
ጸብጺባ’ላ። ምምሕዳር ባይደን ካብዚ ኣከራኻሪ ኣርእስቲ ንምህዳም ካብ “ሆት ኤየር” ባሉናት ክሳብ “ዩፎ” ን ጠንቂ ቫይረስ
ኮሮናን ዝብሉ ኣርእስቲታት ከም ዝልዓለ እታ መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ገሊጻ። ባይደን ኣብቲ ዝርርብ፡ ዩክሬናውያን ብግሎም
ኣማኢት ኪሎ ዝምዘን ነታጒ ተጠቒሞም ነቲ መትረብ ኣዕንዮሞ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጠቒሱ። ባይደን ኣብቲ ጒዳይ ዕሙቕ ዝበለ
መርመራ ክግበር ዘይደለየሉ ምኽንያት፥ ኣዕናዊ እዚ መትረብ ባዕሉ ስለ ዝኾነ እዩ ክብል ሀርሽ ኣቃሊዑ’ሎ።
ምምሕዳር ባይደን ነቲ ምፍንጃር ኣመልኪቱ ሓላፍነት ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ ምህላዉ፡ ሽወደንን ደንማርክን ከኣ ኣብቲ ጒዳይ ናጻ
መርመራ ክካየድ ድሌት ስለ ዘየርኣያ እቲ ኣከራኻሪ ጒዳይ ክሳብ ሕጂ መዓልቦ ኣይረኸበን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com