Friday , April 19 2024
General Abdel Fattah al-Burhan (AP Photo/Marwan Ali) DV101

ሱዳን፥ ንዴሞክራሲ ዝጠልብ ሰልፊታት ይካየድ ኣሎ

ሱዳን፥ ንዴሞክራሲ ዝጠልብ ሰልፊታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝቃወም ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ሱዳናውያን ኣክቲቪስት ህዝቢ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ነታ ሉኣላዊ ቆልስል ብሲቪላዊ መሪሕነት ክትክኣላ ዝግባእ ዝነበረ መዓልቲ ክዝክሩ ብመሰረት ዝገበርዎ ጻውዒት ሱዳናውያን ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ሰብመዚ ሱዳን ኢንተርነትን መስመር ተሌፎንን ብምዕጻው ን ተግባራት ፕረሲደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ደጊሞሞ ኣለዉ።

እዚ ኣልቡርሃን ዝመርሖ ዕልዋ መንግስቲ እንተዘይካየድ ሎሚ ታሪኻዊት መዓልቲ ኮይና ምሓለፈት ኔራ። ምኽንያቱ ሎሚ ሲቪላዊ መብግስቲ ስልጣን ክርከብ እተቘጽረትላ መዓልቲ እያ ኔራ።

ኣብ ክንዳኡ ኣልቡርሃን ነቲ ዴሞክራስያዊ ኣገባብ ዓጽዩ ስልጣን ኣብ ኢዱ ተቖጻጺሩ ምህላዉ ብምጥቃስ ሱዳናውያን ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com