Friday , April 19 2024

ሱዳን ንግዳያት መጥቃዕቲ ቦምባ: 335 ሚልዮን ዶላር ትኽሕስ

ሱዳን ነቶም ብ 1998 ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ቦምብ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ናይ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከም ዝኸፈለት ተገሊጹ። እዚ ካሕሳ ነቲ ኣብ 2000 ኣብ መርከብ ኲናት ኣመሪካ USS Cole ዝወረደ መጥቃዕቲ እውን ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እዚ ካሕሳ ኣብ መንጐ ካርቱምን ዋሺንግተንን ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ዝኸፍት እዩ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ’ሎ።

እዚ ኣብ ኤምባሲታት ኣመሪካን መርከብ USS Cole ኣብ 2000 ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብ ኣልቃዒዳ ከም እተፈጸመ ጸብጻባት የመልክቱ።

ቅድሚ ምውዳቕ መንግስቲ ኣልበሽር ግብረሽበራውያን ትምውል እያ ብምባል ኣመሪካ ንሱዳን ክትከሳ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ስልጣን ዝጨበጠ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ መንጐ ካርቱምን ዋሺንግተንን ዘሎ ዝምድና ዘመሓይሹ ብርክት ዝበሉ ስምምዓት ምኽታሙ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com