Friday , April 19 2024
General Abdel Fattah al-Burhan (AP Photo/Marwan Ali) DV101

ሱዳን . . . ኣልቡርሃን፡ ንገዛእ ርእሱ መራሒ ግዜያዊ መንግስቲ ጌሩ ሸይሙ

ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝመርሐ ዝንገረሉ ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንባዕሉ መራሒ ዝገብር ሓድሽ ቆንስል መሪሕነት ኣቚሙ’ሎ። ኣቐዲሞም ዝነበሩ ሲቪላውያን ኣባላት፡ ካብዚ ሓድሽ መሪሕነት ክወጹ ተጌሮም ምህላዎም እውን ተሓቢሩ።

ሓሚቲ እናተባህለ ብቕጽል ስሙ ዝጽዋዕ ምክትሉ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ሓዊስካ ካልኦት ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ 25 ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ቅድሚ ምክያዱ ዝነብሮም ስልጣን ክዕቅቡ ጌሩ’ሎ።

14 ሰባት ዘለዉዎ መሰጋገሪ ቆንስል፡ እቶም ሲቪላውያን ኣባላት ኲሎም ድሕሪ ዝተፈጸመ ዕልዋ ክኣትዉ ዝተገብሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን ብውሽጥን ካብ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብን ዓብዪ ጸቕጢ ክወርዶ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ካብ ስልጣኑ ዝተገለፈ ሚኒስተር ሓበሬታ ሓምዛ ባሉል ነዚ ምንቅስቓስ መቐጸልታ ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ድሕሪ ምባል ብቃልሲ ህዝቢ ክሰዓር እዩ ኢሉ’ሎ።

ኣልቡርሃን ዘካይዶ ዘሎ በይናዊ ምሻምን ምውራድን፡ እታ ሃገር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ከይትኣቱ፡ ዕንቅፋት እዩ ዝኸውን ዘሎ ክብል ልኡኽ UN ኣብ ሱዳን ዝኾነ፡ ቮከር ፓርተስ፡ ነቲ ተግባር ኮኒንዎ’ሎ። በዚ ድማ እዚ ጒዳይ ብሰላማዊ ኣገባብ ተፈቲሑ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ህይወት ናብ ንቡር ክምለስ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣልቡርሃን ብቕድሚ ትማሊ እዩ ቃለመሓላ ፈጺሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com