Thursday , April 18 2024

ሳሚ ስዒድ፥ “ኣሪገን ኣሰልቻዊ ድማ ኾይነን”

ስነጽሑፍ T T

ሳሚ ስዒድ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ፡ ብ1979 ድማ ጌና ህጻን ከሎ ምስ ስድራኡ ናብ ሃገር ሽወደን ግዒዙ። ኣብ የተቦሪ ዓብዩ፡ ግን ብድሕሪኡ ናብ ስቶክሆልም ከይዱ፡ ኣብኡ ድማ ነዊሕ ዓመታት ተቐሚጡ። ሕጂ ነታ ”ወድሰብ እቲ ዝጸበቐ ከተማ እዩ” ዚብል መጽሓፉ የሕትም ኣሎ።

በታ ህብብቲ ‘ቨልዲግት ሰላን ፊን” እትብል መጽሓፉ ጀሚሩ (2012)። ንሳ ብዛዕባ ኖህ እተባህለ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ መንእሰይ የዘንቱ። ኖህ ክሳዕቲ ኣብ ሃገር ሽወደን መጺኡ ኪምሃር ዚጅምር፡ ካብዛ ዓለም ተገሊሉ ዚነብር ዝነበረ ሰብ እዩ።

እታ ናይ መጀመርታ መጽሓፉ በታ ”ሞኖማኒ” እትብል መጽሓፉ ትቕጽል (2013)። ናይታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ ኣመጻጻኣ ድማ ትነግር። ”ናይታ ሓዳስ መጽሓፈይ ዳሕረዋቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ሙዚቃ እያ እትገልጽ” ይብል ሳሚ፡ ” ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ሓድሽ ሙዚቃ ወይ ገጽታታት ንምድህሳስ።

 

ሳሚ ስዒድ፥ “ኣሪገን ኣሰልቻዊ ድማ ኾይነን”

ኣብቲ ናይ ሳሚ ስዒድ ልብወለድ እቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ከተማታት ኤውሮጳ ናብዝን ናብትን ይብል። ይኹንምበር፡ ባዕሉ እቲ ደራሲ ኣብ ሓድ ኣብ ጫካ ዚርከብ ኣጕዶ ኪነብር ይሓልም።

እቲ ንእሽቶ ኣነነተይ እንተ ዚሰምዓኒ ምሰሓቐኒ ነይሩ። ከም ሓደ ኣሰልቻዊ ሽወደናዊ ገይሩ ምወሰደኒ።

ሽድሸተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ሳሚ በታ ”ቨልዲግት ሰላን ፊን” እትብል መጽሓፍ እዩ ዝና ዝረኸበ። ብድሕሪኡ ድማ ”ሞኖማኒ” እትብል ከመይ ገይሩ ነታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ ከም ዝጸሓፋ እትገልጽ መጽሓፍ ጽሒፉ። ከም ብሓድሽ ድሕሪ ሽድሽተ ዓመት፡ ሳሚ ከም ዝኣረገን ኣሰልቻዊ ከም ዝኾነን ሓቢሩ። ኣብ ነብሱ ዚረአ ነገራት እኳ እንተ ዘየለ፡ ንሱ ግን ከምኡ እዩ ዚብል።

ቀደም መስሓቕ እየ ነይረ፡ ይብል ሳሚ። ቀደም ኣብ ኩሉ ነገራት ዘስሕቕ ኣሰራት እርእይ ነይረ። ምናልባት ኣብ ነብሰይ ጥራይ ብምትኳረይ ይኸውን ከምኡአን ንኹሉ ሰብ ከም ደንቆሮ ገይረ ብምሕሳበይ ኪኸውን ይኽእል። ንሰባት ከረድእ ኣይክእልን ስለ ዝነበርኩ ከላግጸሎምን ንነብሰይ ከላግጸላን ጀሚረ። ኩሉ ከም መስሓቕ ገይረ እወስዶ ነይረ። ደሓር ግን እናኣረግኩን ኣሰልቻዊ እናኾንኩን ከይደ። ገና ንነገራት እፈርሆም ግን ሕጂ ነቲ ጽቡቕ ነገራት እየ ኣብ ካልኦት ዝርእዮ።

ፍቕሪ ዝመልኦ ኩነታት

ሳሚ ካብ ነብሱ ኣብሊጹ ብዛዕባ ካልኦት ዚሓስብ ምዃኑ ኣብ ነብሱ ይረአ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብታ ” ሰብ፡ እቲ ዝጸበቐ ከተማ እዩ” እትብል ልበወለዱን።  ንሱ ካብ ነብሱ ንላዕሊ ንኻልኦት ከም ዚግደሰሎም ይፍለጥ እዩ፡ ብፍላይ ኣብታ ” ወድሰብ እቲ ዝጸበቐ ከተማ እዩ” እትብል መጽሕፉ። ነዚ ርእይቶዚ ከምጽእ ዘኽኣሎ፡ ወድሰብ ካብ ህይወት ትርጉም ኪረክብ እዩ ዚነጥፍ ዚብል ሓሳብ ምስ ኣረጋገጸ እዩ። ንሱ ነቲ ንኻልኦት ዚስሕቕ ሰብ ዘይኮነስ፡ ነቲ ናይ መጽሓፉ ቀንዲ ተዋሳኢ፡ ሳን ፍራንሲስኮ፡ ዚመስል ሰብ እዩ ዘድንቖ።

ከምቲ ናቱ ኣብ ወድሰብ ዘለዎ ቀጻሊ ፍቕሪ እንተ ዝህልወኒ ምፈቶኹ ይብል። ኩሉ መፍትሒ ኣለዎ ዚብል ከምቲ ናቱ ግርህነት እምነትን እንተ ዚህልወኒ።

ሳን ፍራንሲስኮ ነቲ ናይ ቀደም ሽሙ ገዲፉ ምስቲ ሕልሙ ዚቃነ ስም ወሲዱ። እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ገዝኡ ጠንጢኑ ደስታን ዕድሉን ኪረክብ ሃሰው ዚብል ኣዚዩ ገርሂ መንእሰይ እዩ።  እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ካብ ኣፍሪቃ ተሰዲዱ ኣብ ኤውሮጳ ዕድሉ ዚፍትን ሰብ እዩ፡ ወይ ከኣ ብልክዕ ኣዘራርባ፡ ኣብቲ ናይ ኤውሮጳ ሕልሚ።

ብቐዳማይ፡ እዞም ኣብዚ ዝመጹ ስደተኛታት ንሃገር ሽወደን እንታይ የበርክቱላ ብምባል ሓሲበ። ብዛዕባ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ሓሲበ። ንሱ ክልተ ዓመት ይገብር ኣብ ሽወደን መጺኡ። ስለስተ ስራሕ ኣለዎ፡ ኪምርዖ እውን ክኢሉ። ውላዳት። ኪምሃር ክኢሉ። ንሱን ካልኦት ስደተኛታትን ነቲ ብርቱዕ ድራኸኦም ካበይ ከም ዘምጽኡዎ ይገርመኒ። እዚኣቶም ንኣና ኣብ ሕማቕ ግዜ ኣብነታት እዮም።

ናይ ፊል ጉድ ጽውጽዋይ

ሳሚ ስዒድ ነቲ መጽሓፉ ከም ”ናይ ፊል ጉድ ጽውጽዋይ” ገይሩ ይገልጾ። ግን ስሕት ኢሉ ነቲ ሓቃዊ ህይወት ይረኽቦ፡ ማለት ገንዘብ ዘይብሉን ጽልኣትን ምስ ዚወርሶ፡ እቲ ሕልሚ ትጽቢታዊት ዓለም ድማ ምስ ዝፈርስ።

ንሓቅነታዊ ህይወት ክዓጽዎ ፈቲነ፡ ግን ኣይከኣልኩን። ሙዚቃ ጠቒሙኒ፡ ኣብኡ ናይ ህይወት መቐረት ኣሎ፡ ኣነ ድማ ነዚ ተጠቒመሉ ምእንቲ እቲ ናተይ ውሽጣዊ ግትርነት ከይጸቕጠኒ።

ኣብቲ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ዚገብሮ ዑደት፡ ሳን ፍራንሲስኮ ካልኦት ዑቕበኛታት ይረክብ፡ ንሳቶም ምስዚ ኩሉ ጸገማቶም ኣኣዳዎም ኣይሃቡን፡ ክሳዕ ጽፍሪ ኣእዳዎም ድማ ናይ ተስፋ ስምዒት ኣለዎም፡ ኩሉ ግዜውን እምነት ኣለዎም፡ ኩሉ ከም ዚሓልፍ፡ ኩሉ ድማ ከም ዚመሓየሽ ይኣምኑ።

ንእሽቶ ገዛ ኣብ ጫካ

ቀስ እናበለ፡ ሳን ፍራንሲስኮ ኣብ ሓንቲ ካብ ናይ ኤውሮጳ ማረኽቲ ከተማታት ዝረሓቐት ደሴት ይበጽሕ። ኣብኡ ድማ   ነታ መሃሪት ማዳም ይረኽባ። ንሳ ኣብ ሓደ ኣብ ውሽጢ ስፍራ ኣታኽልቲ ዚርከብ ዓቢ ገዛ ትቕመጥ። ንሳ ብዛዕባ ስፍራ ኣታኽልታ ክትዛረብ ከላ ብዛዕባ ካልእ ነገራት ስለ እትዛረብ፡ ሳን ፍራንሲስኮ ከም መምህሩ ገይሩ ርእዩዋ። መናፈሻታትን ጃርዲናትን ንወድሰብ ምልክት ህይወትን ዩኒቨርስን እዮም፡ ናይታ ማዳም መናፈሻ ድማ ምስዚ ፍልልይ ኣይነበሮን።

እቲ ከተማ ንሳን ፍራንሲስኮ ከም ዚስሕቦ ይርደኣኒ እዩ፡ ከመይሲ ኣብኡ እዩ ኩሉ ዚፍጸም። ከምኡ ብምባል እሓስብ ነይረ። ሕጂ ግን ናብ ጫካ ብምኻድ ቃንጥሻ ክኣሪ ደልየ። ኣብቲ ጫካ ገዛ ክህልወኒ ደልየ። ብዛዕባ ”ኣትክልቲ ሽወደን” እየ ክመሃር ደልየ። ስም ናይ ኩሉ ድማ ከጽንዕ ደልየ። እቲ ናይ ቀደም ኣነነተይ ምሰሓቐኒ ነይሩ። ኣሰልቻዊ ሽወደናዊ ኢኻ ምበለኒ ነይሩ።

እቲ ንእሽቶ ሳሚ እንታይ ከም ዝሓስብ ግን ዘገድስ ኣይኮነን። ናይ ጫካ ገዛ ዚምልከት ሕልሚ፡ ናይ ሓቂ እዩ። ዝኾነ ዓይነት ገዛ እቕበሎ እየ። ሳሚ ዝደልዮ ሓንቲ ነገር፡ እቲ ገዛ፡ ማይ ቡምባ ከምኡውን ኢንተርነትን ናብኡ እትኸይድ ኣውቶቡስን ዘለዎ ኪኾነሉ እዩ። ኣብ ቀረባ ማእከል ዕዳጋ ምህላው እውን ጽቡቕ እዩ። ብዝበለጸ ግን እቲ ጫካ ብቓንጥሻ ሃብታም ምስ ዚኸውን።

Viktor Andersson/TT

ቅኑዕ ሓበሬታ ብዛዕባ ሳሚ ስዒድ

TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com