Tuesday , April 16 2024

ሳርኮዚ፡ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ

ካብ ዓመተ 2007 ክሳብ 2012  ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳ፡ ዝነበረ ወዲ 66 ዓመት ኒኮላስ ሳርኮዚ፡ ብጉዳይ ብልሽውና፡ ብቤት ፍርዲ ፓሪስ፡ ንሰለስተ ዓመታት ማእሰርትን ንክልተ ዓመታት ድማ ትዕዝብትን (probation) ከምዝተፈርደ ተፈሊጡ።

ሳርኮዚ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ቤተንኮርት (Bettencourt case) ዝምልከት ካብ ሓደ ዳኛ ሓበሬታ  ንምርካብ ብምሕታቱን ዓስቢ ናይቲ ዝገብሮ ድማ ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ ሞናኮ ተሃራፊ ስራሕ ከውሕሰሉ ምዃኑ ተመባጺዑ ምንባሩ ይፍለጥ። ንሱ፡ ኣብ 2007፡ ኣብቲ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ዘካይዶ ዝነበር ምውዕዋዕ፡ ካብ ሓንቲ ሊሊያን ቤተንኮርት ዝተባህለት በዓልቲ ዋኒን (businesswoman)፡ ዘይምእኩል (ዘይሕጋዊ) ገንዘባዊ ደገፍ ከምዝረኸበ ጥርጣረታት እኳ እንተነበረ፡ እቲ ጉዳይ ከምዝተሰረዘ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com