Friday , March 29 2024
Jessica Gow/ TT

ሴቭ ዘ ቺልድረን: ብዙሓት ቆልዑ ሽወደን ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም ኣብ ኣስጋኢ ኲነታት ከምዝርከብ ገሊጹ።

ሴቭ ዘ ቺልድረን ዝተባህለ ትካል ብዙሓት ቆልዑ ሽወደን ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም ኣብ ዝፈታተን ኣስጋኢን እናዓበየን ዝመጸ ኲነታት ምህላዎም ገሊጹ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና እኹል ትምህርቲ ካብ ዘይረኸቡ ወይ ጡረታ ዝወጹሞ እኹል ማል ዘይብሎም ወለዲ ዝውለዱ ቈልዑ ድኽነት ከም ዝስምዕምን ካብ ካልኦት ቈልዑ ብዝያዳ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ከም ዝጥቅዑን ይገልጽ።

ብመሰረት ተኸታታሊ መጽናዕቲታት እቲ ኮሚሽን ቊጠባን ሽቕለትን ብሓፈሻ እቶም ኣዝዮም ጸለውቲ ባእታታት ጥዕና ሕብረተሰብ ሽወደን እዮም።

ንቘልዑ ብዝምልከት እዞም ማሕበረ-ቚጠባዊ ጽልዋታት ከቢድ ተጽዕኖ ከም ዝገብሩሎም እዩ ተሰሚሩሉ።

“እዚ ንነዊሕ ግዜ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና ተርእዮ ስለዝኾነ ብኣሃዛት ደጊፍና ክነረጋግጾ ንኽእል ኢና” ይብል ሓላፊ ሴቭ ዘ ቺልድረን ሽወደን ኦለ ማትሰን።

” እዚ እናዓበየን ናብ ሕማቕ ኣንፈት እናማዕደወን ዝመጽእ ዘሎ ሽግር እዩ ” ኢሉ።

ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብ ድኽነትን ሕሰምን ንዝነብሩ ሰባት ከቢድ ሽግር እዩ። እቲ ናይ ድጋፍ ዕድላት እውን ዝተሓተ እዩ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com