Saturday , April 20 2024

ሴቭ ዘ ችልድረን ጨንፈር ሽወደን ውሉዳት ሽወደናውያን ዳዕሽ ካብ ሶርያ ክትመልሶም ጸቕጢ ይገብር።

ሴቭ ዘ ችልድረን ጨንፈር ሽወደን ውሉዳት ሽወደናውያን ዳዕሽ እዮም ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ ቈልዑ ካብ ሶርያ ክትመልሶም ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሰሙን ተወላዲ ሽወደንን ቀንዲ መልማሊ ዳዕሽን ዝነበረ Michael Skramoን በዓልቲ ቤቱ Amanda Gonzalezን ምስ ሽወዓተ ደቈም ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ብጥምየት ዓቢሮም ተራእዮም ዝብል ዜና ድሕሪ ምግዋሑ እዩ እዚ ዝስዕብ ዘሎ።

እቲ ትካል ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ንትግበራ ብምድንጓዩ ወቒስዎ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እቲ ጒዳይ ብዙሕ ሕልኽልኽ ዝበለን ምጽራይ መንነት ዘድልዮን ብምዃኑ ግዜ ዝጠልብ እዩ ኢሉ’ሎ።

ኣብ መዓስከራት ሶርያ 80 ውሉዳት ሽወደናውያ ኣለዉ ተባሂሉ ይግመት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com