Tuesday , April 23 2024
Science Photo Library/TT

ስማርትፎን መባኸኒ ግዜ ከይከውን የሻቕል።

ብዙሓት ወነንቲ ስማርትፎን ኣብዚ መሳለጥያ ተጸሚዶም ዘሕልፍዎ ግዜ ብዙሕ ከም ዘሻቕሎም ተገሊጹ።

ጉግል ከም ዝሓበሮ 70 ሚእታዊት ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣብ ኣጠቓቕማኦም ዝሓሸ ሚዛን ክፈጥር ዝኽእል መማረጺ ዝብህጉ ምዃኖም ኣረጋጊጸ ይብል።

ይኹን እምበር እዚ ጉዳይ ንጽላት ቴክ ኣብ ኣሸጋሪ ኲነታት ከውድቖ ይኽእል እዩ።

ናይ ብዙሓት ፊልምታትን ቢዝነሳትን መሳዂት ብኡኡ ዝርክበ እናሃለወ ከመይ ኢሉ’ዩ ንዓማዊሉ ካብ ሞባይሎም ከፋትሖም ዝኽእል ዓቢ ግድል ኮይንዎ ኣሎ።

ኣፕልን ጉግልን ኣብዚ ዓመትዚ ስክሪን ታይም ከምኡ’ውን ዲጂታል ዌልቢንግ ዝበሃሉ ዲጂታላዊ ናውቲ ብምቕራብ ተጠቀምቲ ኣይፎንን ኣንድሮይድን ዝተፈላለያ ኣፕሊኬሽናት ኣብ ምጥቃም ክንደይ ግዜ የጥፍኡ ምህላዎም ክሳብ ክብደይ ግዜኽ ተተመላሊሶም ይጥቀሙሎም ኣለዉ ንኽፈልጡ ክሕግዞም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com