Friday , April 19 2024
Staff work in an intensive care unit during the pandemic Foto: Björn Larsson Rosvall / TT kod 9200

ስራሕ ዝደልዩ ሰባት፡ ከምዝተኸትቡ መረጋገጺ ክሕተቱ እዮም

ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ክሰርሑ ዝደልዩ ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ መረጋገጺ ክሕተቱ ዝኽእልሉ መንገዲ ንምፍጣር፡ ምምሕዳር ዳላርና፡ እማመ ኣቕሪቡ፡ መጽናዕታት ከምዝጀመረ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ጥዕና ናይቶም ሕሙማት ንምውሓስ ተባሂሉ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ ክብል ኣማኻሪ እቲ ምምሕዳር፡ ኡልፍ በርግ፡ ከም መርተዖ ናይቲ ውሳኔ ኢሉ ዘቕረቦ ምኽንያት እዩ።

ከም ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ምዃንና፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንኸይስዕርር፡ ዝከኣለና ክንገብር ኢና። ዝኾነ ዘይተኸትበ ሰብ፡ ናይ ስራሕ ምሕታት መሰሉ ሕሉው እዩ ክብል፡ በርግ፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኹሎም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ነበርቲ ሽወደን፡ ክታበት ንኽወስዱ ምኽርታት የመሓላልፍ’ኳ እንተሃለወ፡ ንክትባት፡ ግዴታ ዝገብሮ ሕጊ ክሳብ ሕጂ ከምዘየለ ይፍለጥ። ምኽታብን ዘይምኽታብን፡ ኣብ ድሌት ናይቲ ሰብ ጥራይ እዩ ዝምርኮስ።

ገለ ንጥፈታት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምቁጽጻር ወይ ድማ ድሕነት ናይ ሕሙማተን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክትባት፡ ከም ቅድመ ኩነት ንኸቐምጣ ዘኽእለን ናይ ገዛእ ርእሰን መርትዖታት ከቕርባ ክኽእላ እየን ክብል ኣብ ማሕበር በዓል መዚታትን ምምሕዳራትን ሽወደን፡ ሓላፊ ሕጊ ዕዮ ዝኾነ ቶማስ ብዮርክ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ማዕከን ተተ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ መርመራ፡ ኣብ ዕለት 26 ጥሪ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com