Wednesday , April 24 2024
Jeppe Gustafsson/TT

ስርሒት ረኩል፥ ፖሊስ ናይ ሸውዓተ ዘምለጡ ጎሓላሉ ስምን ስእልን ይዝርግሕ

እዞም ሰባት ብናይ ካራ መጥቃዕትን ዝርፍያን ናይ ቅትለት ምፍርራህን ሓዊ ምቅጻልን ድሮጋን ምትላልን እዮም ዚህደኑ ዘለዉ።

ንሳቶም ተፈሪዶም እዮም ነይሮም፡ ግን ካብዚኣቶም ሸውዓቲኦም ኣምሊጦም።

ሕጂ ፖሊስ ሽወደን ይሃድኑዎም ኣለዉ። እቲ ስርሒት ከኣ ረኩል ይብሃል።

ክሳዕ ሕጂ በቲ ስርሒት ሰለስተ ተታሒዞም ኣለዉ። ንሳቶም በቲ ሰባት ዝሃቡዎ ሓበሬታ እዮም ኪተሓዙ ክኢሎም።ስርሒት ረኩል ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ኪእሰሩ እተፈርዶም ዓመጸኛታት ቀዳምነት ዚህብ ተግባር እዩ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ እዚኣቶም ዝፈልጦ ሓበሬታ ምስ ዚህሉ፡ ናብ 010 563 55 40 ይደውል ወይ ድማ በዚ ዚስዕብ FAST@polisen.se  ኢመይል ይስደድ።

እቶም ዚህደኑ ዘለዉ እዞም ዚስዕቡ እዮም፥

ኤሚልዮ ኣለክሳንደርሾን

ኤሚልዮ ኣለክሳንደርሾን ካብ ስቶክሆልም ኮይኑ ብምትላልን ብሓሶት ምኽሳስን ንሰለስተ ዓመታት ተፈሪዱ። እቲ ገበኑ ኣብ 2003 ከምኡውን 2006 ተፈጺሙ፡ ፍርዱ ድማ ብ2009 ኣብ ኡፕሳላ ተወሲኑ፡ መቕጻዕቲ፥ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ።

Polis

ንሱ ከም ተወካሊ ኩባንያ፡ ንናይ ህንጻ ስራሕ ዕርቡን ተቐቢሉ ኣይፈጸሞን። ብተወሳኺ ኣቕሑ ብልቓሕ ዓዲጉ ኣይከፈሎን። ብ2010 ሽሞንተ ዓመት ይገብር፡ ካብቲ ትካል ሃዲሙ።

 

ዓዚዝ ለገ

ዓዚዝ ለገ፡ ካብ ዮተቦሪ፡ ብምኽንያት ንኸተሓላልፎ ዝሓዞ ኪሎ ኮከይን ንሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዱ። ቅድሚ ሕጂ ድማ ብ2009 ኣብ ዝባኑ ዚጸንሕን ፍርዲ ተወሲኑሉ ነይሩ እዩ።

polis

ሚሊቮየ ኖቫኮቪች

ብመሰረት ፖሊስ፡ ሚሊቮየ ኖቫኮቪች ኣብ ሰርብያን ሆላንድን ይነብር። ንሱ ብ 2014 ብምኽንያት ድሮጋ ምትሕልላፍ ኣብ ሀልሲንግቦርይ ንሽውዓተ ዓመት ተፈሪዱ ነይሩ። እዚ ድማ ድሕሪ ብ2012፡ 19 ኪሎ ኣንፈታሚን፡ 3 ኪሎ ኮከይንን 48 ኪሎ ካናቢስን ካብ ዳንማርክ ናብ ሀልሲንቦርይ ብማኪና ከጎዓዕዝ ምስ ተታሕዘ እዩ።

Polis

ነሞ ኒሉንድ ኒበርይ

ነሞ ኒሉንድ ኒበርይ ኣብ ዳላርና ይቕመጥ፡ ንሱ ኣብዚ ዓመትዚ ብዘመትን ፍርዳዊ ስነስርዓት ኣልቦነትን ንክልተ ዓመትን ሓሙሽተ ኣዋርሕን ተፈሪዱዎ ነይሩ። እቲ ገበን ኣብ ናካ ኣብ 2017 እዩ ተፈጺሙ። እቲ ዘመተ ክልተ ሰባት ግዳይ ዝገበረን ብፋስ እተደገፈን ነይሩ። እቶም ግዳያት ንፖሊስ ምስ ዚሕብሩ ከም ዚቕተሉ ተፋራሪሆም ነይሮም።

Polis

ኤድዋር ኦዲቾ

ኤድዋር ኦዲቾ ኣብ ቨስትራ ዮታላንድ ይቕመጥ። ብ2016 ንብረት ብሓዊ ብምቅጻሉ ንኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ንሱ ብ 2015 ነቲ ኣብ ኾቭደ ዚርከብ ናይ ማሕበር ደምበ፡ ብዙሕ ጀሪካናት በንዚን ብምፍሳስ ሓዊ ረኵዑሉ።

Polis

ረዛ ሳፋሪ

ረዛ ሳፋሪ ኣብ ስኮነ ይቕመጥ።  ንሱ ብዓመጽን ናይ ስርቂ ኣቕሑ ብምቕባልን ንክልተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ተፈሪዱ ነይሩ። እቲ ገበናዊ ዓመጽ ኣብ ማልመ ኣብ 2015 እዩ ተፈጺሙ። ኣብኡ ሳፋሪ ነቲ ግዳዩ ኣብ ርእሱ ሸንዲሑዎን ዘቢጡዎን፡ ብኻራ ገይሩ ድማ ጠባቢሑዎ።

Polis

የስፐር ትራውንትሽኒግ

የስፐር ትራውንትሽኒግ ኣብ ሃላንድን ክሮኖበርይን ይቕመጥ። ንሱ ብ2014 ብምትላልን ብድሮጋን ንክልተ ዓመትን 9 ኣዋርሕን ተፈሪዱ ነይሩ። እቲ ገበን ካብ 2012-2013 ተኻዪዱ። እቲ ገበን ናይ ሞቶር ኣቕሑ ተኻሪኻ ምውሳድን ደሓር ብሚልዮናት ምሻጥን እዩ ነይሩ።

Polis

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com