Friday , April 19 2024

ስቨርየ ደሞክራተራዊ ስተፋን ቦርይ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ቤትምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣቦመንበርነት ከም ሕጹይ ኮይኑ ኣይኪቐርብን እዩ

ስቨርየ ደሞክራተራዊ ስተፋን ቦርይ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ቤትምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣቦመንበርነት ከም ሕጹይ ኮይኑ ኣይኪቐርብን እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ እቲ መድያ ኣብ ልዕሊኡ ብዘለዎ ኣረኣእያ እዩ።

ስተፋን ቦርግ ኣብ ፈይስቡክ ንሕብረጾታውያን (LGBT) ብምንሻዉ ተነቒፉ እዩ።

ንሱ ኣብቲ ዚጽሕፎ ርእይቶታት ናይ ጸዓዱ ስልጣን ከም ዚደሊ ይረአ ኣሎ።

“እቲ ናባይ ዝቐንዐ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዚረአ ዘሎ ነቐፌታ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ምርጫ ነቲ ሰልፊ ኣብ ክንዲ ነቲ ቁምነገር ዝርኢ ናብ ካልእ ከም ዘተኩር ገይሩዎ” ይብል ስተፋን።

ሰሲልያ ብላድ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና ሓዳስ ተወዳዳሪት ክትከውን እያ።

ስቨርየ ደሞክራተርና ኣብቲ ምርጫ ኪኣቱ ዝኸኣለ  ምስ ሞደራተርናን ምስ SPI ን ብምትሕብባር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com