Thursday , March 28 2024
Jonas Ekströmer/TT

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ኣብ ቀንዲ ኣኼባኡ ንስደተኛታት ዚምልከት ረፈረንድም ይጽውዕ

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ብመገዲ ሰክረተሪ ፓርቲ ሪቻርድ ዮምስሆፍ ገይሩ ንስደተኛታት ብዚምልከት ረፈረንድም ኪግበር ሓሳብ የቕርብ።

እቲ ሰክረታሪ ከም ኣብነት ንሃንጋሪ ይጠቅስ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ንሽወደናውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ናይ ውሁዳን ደረጃ ከየእትዎም ድማ ይሰግእ።

ንሱ ነቲ ረፈረንደም ኪካየድ ዝደለየሉ ምኽንያት፡ ህዝቢ ሽወደን ነቲ ሓላፍነት ዘይብሉ ኣዕናዊ ፖሊሲ ወይ ነቲ ሓላፍነት ዘለዎን ቀያድን ፖሊሲ ሓዲኡ ንምምራጽ ብማለት እዩ።

ኣብ ካልእ ሃገራት ንስደተኛታት ዚምልከት ህዝቢ እዩ ዚውስን፡ ሃንጋሪ እውን ንህዝባ ረፈረንድም ገይራትሎም እያ ይብል ዮምስሆፍ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ብተወሳኺ፡ ስቨርየ ደሞክራተርና፡ ንናይ መስጊድ ኣዛንን ኣብ ቅደመ-ትምህርትን መባእታዊ ቤትትምህርትን ድማ ንሕጃብ ብዚምልከት ከምኡውን ዘይሕክምናዊ ምኽንሻብ ኩሉ ደው ኪብል፡ ናይቶም ስደተኛታት ገለ ጥሪት ብምህጋርን ብምሻጥን ድማ ነቲ ንኣታቶም ኣብ ሃገር ሽወደን ከም ዚቕመጡ ንምግባር ዚሃልኽ ወጻኢታት ምሽፋን ዚብሉ ሓሳባት ቀሪቦም።

እቶም ኣባላት፡ እማመታቶም ናብ ባይቶ ከቕርቡዎ ትጽቢት ይግበረሎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com