Thursday , March 28 2024

ስተፋነ ሉፈንን ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ንኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርሊን ሓድሽ ጸብጻብ ምቕራቦም ተገሊጹ።

ሓላፊ ሰልፊ ዴሳዊ ዴሞክራሲ ስተፋነ ሉፈን ከምኡ’ውን ኣቦመንበር ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ንኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርሊን ሓድሽ ጸብጻብ ምቕራቦም ተገሊጹ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ዛጊት ናብ ጠረጴዛ ዝቐረበ ዝኾነ ድሉው ናይ ዘተ ውጥን የለን።

እዞም ሰልፊታት ቀዳማይ ጸብጻቦም ዝሓለፈ ዓመት 28 ታሕሳስ እዮም ኣቕሪቦም ።

ኣብቲ ዕለት ኖርሊን ምስ ክልቲኣቶም ሕጹያት ብምዝርራብ ክልቲኣቶም ሰልፊታት ብዛዕባ ቅልውላው ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ዘዳለዉዎ ሓተታ ሰሚዑ።

ኣብ ዘለናዮ ግዜ ኣፈኛ ሳልሳይ ሕጹይ ኣብ ምስማይ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

እዚ እንድሕሪ ፈሺሉ ቅድሚ ሓድሽ ምርጫ ናይ መወዳእታ ሓደ ዕድል ጥራይ እዩ ክህሉ። ሳልሳይ ሕጹይ ጥሪ 16 ክስመ ተዳልዩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com