Tuesday , April 23 2024
Jussi Nukari / TT

ስቲፋን ሎቨን ኣብ ፊንላንድ ዑደት ይፍጽም።

ፊንላንድ ዝመጽእ ክረምቲ ስልጣን ፕረሲደንትነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅድሚ ምርካባ ሽወደንን ፊንላንድን ምስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘለወን ምትሕግጋዝ ከደንፍዓ ከም ዝደልያ ተገሊጹ።

ኣብዚ ዛዕባ ዝሓልፉ ኣገደስቲ ውሳኔታት ብዝጸፈፈ ኣገባብ ከዳለዉ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ Joha Sibela ምስ ሽወደናዊ መዘናኡ Stephan Löfven ኣብ ሄልሲንኪ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዕሙቕ ንዝበለ ምትሕግጋዝ እዘን ሃገራት ዝኸውን ርሒብ ባይታ ኣሎ ኢሉ’ሎ።

ናብ ሄልሲንኪ ቦኽሪ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ Stephan Löfven ፊንላንድ ንዝመጽእ ምምሕዳር ሕብረት ኣውሮጳ ድሕሪ ምርካባ ዝምድና ሽወደንን ፊንላንድን ዝተፈልየ ምዃኑ ገሊጹ”ሎ።

ፊንላንድ ከም ፕረሲደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት መጠን መጻኢ ዝምድና ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን:ኣብ ጉዳይ BREXIT:ናይ ነዊሕ ኣውሮጳዊ ባጀትን ስደትን ዝኣመሰሉ ዛዕባታትን ኣጀንዳ ናይ ምልዓል ዕድል ክህልዋ እዩ።

ብተወሳኺ Stephan Löfven ኲለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሕመረት ክብርታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምትግባር ክተግሃን ብምትሕስሳብ ጥሙር ሓይልታት ሽወደንን ፊንላንድን ብዙሕ ዕማማት ኣብ ምትግባር ብስሉጥ ክዋስኡ እዮም ኢሉ’ሎ።

“ኣብ ብዙሕ መዳያት ተሰማሚዕና ኣሎና።

ንኣብነት ባጀት ኣውሮጳዊ ጅብረት ስሉጥን ፍትሓዊን ክኸውን፥ ኣብ ጒዳይ ምልዋጥ ክሊማ መሪሕን ተወሳኺን ተራ ክንጻወት፡ መጽናዕትን ምህዞን ብዓቢኡ ድማ ኣብ ምኽባር ሕመረት መትከላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብልባዊነት ክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኣሎና” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com