Thursday , April 18 2024
(Olivier Hoslet, Pool via AP) VLM104

ስቶልተንባሪ፡ ዩክሬናያን ን ተጻብኦ ሩስያ ብሓይሊ ኣይክደኑን እዮም።

ኲናት ዩክሬይን ይወዳእ ኣይወዳእ፡ ዩክሬናያን ን ተጻብኦ ሩስያ ብሓይሊ ክደኑ እዮም ማለት ኣይኮነን፡ ክብል ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልተንባሪ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ንሱ ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ኲልና እዚ ኲናት ከም ዝውዳእ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣሎና። እንተኾነ ግና፡ ዩክሬናውያን ን ተጻብኦ ሩስያ ክደኑ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ብቐዳምነት፡ ንሕና ኣብ ልዕሊ ኪቭ ከምዚ ዝበለ ጸቕጢ ከነንብር መሰል የብልናን። ብኻልኣይ ደረጃ፡ ሩስያ ሓይላ ብሕማቕ ኣገባብ ኣውዒላ እናሃለወት ከም ምሽላም እዩ ዝከውን ዘሎ” ክብል ስቶልተንባሪ ኣጠንቂቑ። “ዩክሬናውያን ከም ናጻን ሉኣላዊን ሃገር መጠን፡ ነብሶም ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም። ንሕና ኣብ ሞስኮ መንግስቲ ናይ ምቕያር ይዂን፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተጻብኦታት ናይ ምስጓም ዕላማታት የብልናን” ክብል ስቶለንበርግ ነታ ጋዜጣ ወሲኹ ገሊጹ። ሰባት ንዓመታት ዝቕጽል ዝተናውሐ ኲናት ዘድሊ ምቅርራብ ክገብሩ እውን ኣተሓሳሲቡ። “ኲናት ክትንበዮ ዘሸግር ኩነታት እዩ፡ እንተኾነ ግና ጻዕቁን ሃስያኡን ከም ዝጎድል ምግባር ይከኣል እዩ፡ ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣብ ደንባስ ኲናት ከም ዝጸንሐ ክንርስዕ የብልናን” ምባሉ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com