Thursday , April 25 2024
Credit: Jessica Gow/TT

ስቶክሆልም፥ ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ከባቢ ስሙ ክቕየር ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ስቶክሆልም ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ጎደና ንኽብሪ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብምባል ብስሙ ክጽዋዕ ከም ዝግባእ ዝጠልብ ወፍሪ እናበርከት ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ነቲ ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ከባቢ ግዮርቨልገተን ስሙ ናብ ዘለንስኪገተን ክቕየር ሕቶኦም ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ኮሚተ ምስያም ስቶክሆልም ሎሚ ሰኑይ በዚ ጒዳይ ክእከብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com