Tuesday , April 23 2024
Kenny Bengtsson SvD/TT

ስዊድን ብደረጃ ወሰኽ ግብሪ 4ይቲ ካብ ኤውሮፓ ኮይና::

ኣልኮምፒስ:ስቶክሆልም – ብመሰረት ናይ ዓመተ 2017 ጸብጻብ ቀረጽ ዩሮስታት ሽወደን ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት መበል ራብዐይቲ ተሰሪዓ’ላ።
ቀዳመይቲ ዝተሰርዐት ፈረንሳ ኮይና 48.4 ሚእታዊት ሓፈሻዊ ኣታዊ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ’ላ። ቤልጀም ብ47.3 ሚእታዊት ዴንማርክ ድማ ብ 46.5 ሚእታዊት ካልኣይቲን ሳልሰይቲን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።
ደረጃ ቀረጽ ሽወደን ንቡር ቀረጽን ማሕበራዊ ውሕስነትን ዘጠቓልል ኮይኑ ዓሚ ካብ ሓፈሻዊ እቶት እታ ሃገር 44.8 ሚእታዊት እዩ ኔሩ። ዝትሓተ ዘመዝገበት ሃገር ኣየርላንድ ኮይና 23.5 ሚእታዊት ሒዛ’ላ። ሎምዓመት ማእከላይ መጠን ቀረጽ ኣወሮጳ ካብ 39.9 ናብ 40.2 ክብ ኢሉ’ሎ። ናይ ዓሚ ካብ 41.2 ናብ 41.4 ምዕባዩ ተመዝጊቡ ኔሩ እዩ። ናይ ጀርመን 40.5 ናይ ጎረቤት ሃገር ኖርዌይ ከኣ 38.9 ኮይኖም ዓሚ ተመዝጊቦም ኔሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com