Friday , March 29 2024
ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ስዊድን ዳይረክተር ጀነራል ዓለምለኻዊ ልምዓታዊ ምትሕግ ጋዝ ዝኾነ የውሃንስ ኦልየሉንድ Brett Ascarelli / Radio Sweden

ስዊድን ንዳግመ ውዳበ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ትድግፍ

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ርክቡ ንዳግመ ውዳበ ኣብ ዝምልከት ዕማም ስርሑ ክቕጽል እዩ። ስዊድን ድማ ነዚ ናይ ዳግመ ውዳበ ኣጀንዳ ተተባብዕ ኣላ።

ዳይረክተር ጀነራል ምትሕግጋዝ ኣህጉራዊ ምዕባለ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊድን ዝኾነ ዮሃንስ ኦልየሉንድ ንሬድዮ ስዊድን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣” ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣፍሪቃዊ ዋንነት ከረጋግጸሉ ዝኽእል ዓቕሚ ክህልዎ ኣገዳሲ ምዃኑ ኢና እንኣምን። ዋላ’ኳ ነዚ ዕዮ’ዚ ይገብሮ እንተሃለወ ዝያዳ ዓቕሚ ምጉልባት የድልዮ” ይብል።

ሬድዮ ስዊድን ንኦልየሉንድ ዋንነት እትብል ቃል እንታይ ንምግላጽ ከምዝተጠቕመላን ዝምድና ሃገራት ኣፍሪቃን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ብኸመይ ንስዊድን ከምዘገድሳን ትሓትት። ኦልየሉንድ ብወገኑ፣ ወላ’ኳ ሃገራት ኤውሮጳ ወይ ኣበርከትቲ ዝኾና ሃገራት ኣብቲ ውድብ ዓቢ ተሳታፍነት እንተሃለወን፣ ንኣፍሪቃ ዝምልከቱ ኣጀንዳታት ኣብ ምውሳን ይኹን ምክያድ ግን ንኣፍሪቃ ክግደፍ ከምዘለዎ የረድእ። ስዊድን ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣበርካቲት ሃገር እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ 49 ሚልዮን ስዊዲሽ ክሮነር ብቐጥታዊ ሓገዝ ከምኡ’ውን 97 ሚልዮን ብከም ልምዓታዊ ፕሮግራማት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰለ ዘይቀጥታዊ ሓገዛት ተቐቢሉ።

ብተወሳኺ ሬድዮ ስዊድን እቲ ዝካየድ ዳግመ ውዳበ ብኸመይ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ከምዝገብሮ ንኣባል ኮሚተ ዳግመ ውዳበ እቲ ውድብ ዝኾነትን ሚኒስተር ፋይናንስ ኬፕ ቨርድ ነበርን ክሪስቲና ድዋርተ ትውከስ።

ድዋርተ ብወገና ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝተሓላለኸን ኣድማዒ ዘይኮነ ኣቃውማ ሒዙ ምህላዉን ብቁጠባ ነብሱ ከምዘይክእልን ብምጥቃስ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ኣታዊ ንብረታት ዘጽደቖ ናይ 0.2 ሚእታዊት ግብሪ ድሮ ክሕግዝ ከምዝጀመረ ትነግር። ኣብ መወዳእታ ድዋርተ ዕላማ ናይቲ ለውጢ፣ ሓደ ብመንጽር ቁጠባ፣ ሰላምን ጸጥታን፣ ከምኡ’ውን ምዕባለን ምውህሃድን ድልዱል ዝኾነ ውድብ ንምፍጣር ምዃኑ ትሕብር።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com