Thursday , April 18 2024
Xinhua/TT

ስዊድ ባንክ ዘይሕጋዊ ዝውዉር ገንዘብ ከምዝፈጸመ ተሓቢሩ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ባንክታ ሽወደን ዝኾነ ስወደ ባንክ ንነዊሕ ዓመታት በመገዲ መስመራቱ ዘይሕጋዊ ገንዘባዊ ዝዉዉር ከካይድ ምጽንሑ ድሕሪ ምቅልዑ ዓቢ መዛረቢ ነጥቢ ኮይኑ ኣሎ።

ብመሰረት ቤትጽሕፈት ተቖጻጻሪ ፋይናንስያዊ ጉዳያት finans inspektion ብመገዲ እቲ ባንኪ ዝተኻየደ ዘይሕግዊ ዝዉዉር ንምሕጻብ ገንዘብን ንኽንደይ እዋንን? ብኸመይ መገድን ከምዝተኻየደ ፉሉይ ምርመራ ምጅማሩ ሓቢሩ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ቤትጽሕፈት እቲ ኩነታት ዘታሓሳስብ ምዃኑን፣ ሳዕቤኑ ብፍላይ ከኣ ወነንቲ ኣክሴን ሕሳብ ቁጠባን ኣብ ስዌድ ባንክ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዉህሉል ገንዘቦም ዘሎዎ ጉድኣት ስጋብ 20 ሚእታዊት ክበጽሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ሓዲሩ ምህላዉ ተመልኪቱ።

ሓለፍቲ ስዌድ ባንክ ብዛዕባ እዚ ብልሽዉና ዝጸንሖም ኣፍልጦ ከመይ ከምዝመስል፣ ንምእራሙ ዝወሰድዎ ስጉምቲ እንተኔሩ ንላዕለዋይ ሽማግለ እቲ ባንኪ፣ምርመራ የካይድ ምህላዉ እዉን ተፈሊጡ።

ስዌድ ባንክ ድሕሪ እዚ ብልሽዉ ኣሰራርሓ ምቅልዑ፣ ቀሊል ዘይኮነ ምንቁልቋል ዓማዊል ንጉድኣት እምነትን ኣጋጢምዎ ኣሎ ክብል ኣገልግሎት ቴሊቭዥን ሽወደን ጸብጺቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com