Saturday , April 20 2024
Saudi Crown Prince Mohammed bin Salman, right, welcomes Thai Prime Minister Prayuth Chan-ocha, at the royal palace in Riyadh, Saudi Arabia (Bandar Aljaloud/Saudi Royal Palace via AP) AMR103

ስዑዲ ዓረብ፡ ምስ ታይላንድ ዝጸንሓ ምስሕሓብ ፈቲሓ

ስዑዲ ዓረብን ታይላንድን ብምክንያት ዝተሰርቁ ክቡራት ኣዕናቚን ቅትለታትን ን30 ዓመታት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ምፍትሐን ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ፡ ፕራዩት ቻን-ኦቻ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ምፍጻሙ፡ መርኣያ ምቕጻል ዲፕሎማስያዊ ርክባተን እዩ ተባሂሉ። ኣብ 1989 ሰራሕተኛ መስፍን ስዑዲ ዓረብ ዝነበረት ታይላንዳዊት ሰራሕተኛ ጽሬት 50 ካራት ኣልማዝ ካብ ቤቱ ምስራቓን ድሕሪ’ዚ ብርክት ዝበሉ ስዑዳውያን ሰብመዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ታይላንድ ባንኮክ ምቕታሎምን ቀንዲ ምኽንያት ምሕርፋፍ ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።

ብምኽንያት እዚ ቅትለት ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሰብመዚ ታይላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እኳ እንተኣተዉ ክሲ ከም ዘይተመስረተሎም ቢቢሲ ሓቢራ። ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተሓደሰ ዝምድና፡ ነታ ሚልዮናት ሸቓሎ እትጠልብ ስዑዲ ዓረብን ስራሕ ዝደልዩ ታይላንዳውያን ጥዑም ወረ እዩ ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com