Tuesday , April 23 2024
In this photo provided by the Saudi Press Agency, Saudi Foreign Minister Prince Faisal bin Farhan speaks during a news conference in Riyadh, Saudi Arabia, Monday, March 22, 2021. Saudi Arabia announced a plan Monday to offer Yemen's Houthi rebels a cease-fire in the country's years-long war and allow a major airport to reopen in its capital, the kingdom's latest attempt to halt fighting that has sparked the world's worst humanitarian crisis in the Arab world's poorest nation. (SPA via AP) AMR101

ስዑዲ ዓረብ: ሚሳይላት ሑቲ ጠሊፈ ትብል

ካብ ጐረቤት ሃገር የመን እተተኮሱ ሰለስተ ሚሳይላትን ድሮናትን ከም ዝጠለፈት ስዑዲ ዓረብ ገሊጻ።

ሓንቲ ካብዘን ሚሳይላት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ደማም ተጠሊፋ ከም ዝዓነወት ዝገለጸ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሰንኩ ክልተ ቆልዑ ጒድኣት ከም ዝበጽሖምን ሓደ ህንጻ ምዕናዉን ኣመልኪቱ።

ዕላማ ናይዚ መጥቃዕቲ: ንመደብራት ነዳዲ ዘይቲ ስዑዲ ዓረብ ንምጥቃዕ ምዃኑ: ጒጅለ ሑቲ ሓቢሩ ኣሎ። ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ እተባህለሉ መጥቃዕቲ: ኣብ ከተማታት ጂዛንን ናጅራንን እውን ከም እተፈተነ እውን እቲ ጒጅለ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ መደብራት ነዳዲ ዘይቲ ስዑዲ ዓረብ ጒድኣት ብዛዕባ ምብጽሑ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።

ኣብ 2019: ጒጅለ ሑቲ: ብመንግስቲን ትካል ኣራምኮን ኣብ ዝውነና ክልተ መደብራት ነዳዲ ዘይቲ: መጥቃዕቲ ምክያዶምን እዚ ድማ ንመፍረ ድፍድፍ ዘይቲ ብ 5.7 ሚልዮን በርሚል ንመዓልቲ ኣጒዲልዎ ምንባሩን ዝዝከር እዩ።

ኣብ 2015: ሑቲ: ንርእሰ ከተማ የመን ድሕሪ ምቊጽጻሮም: ስዑዲ ዓረብ: ነቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ ብምድጋፍ ናብ ኲናት የመን ምጽንባራ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com