Saturday , April 20 2024
TIMOTHY A. CLARY/TT

ስዑዲ ዓረብ ንቕትለት ካሾጊ ትእመን    

ስዑዲ ዓረብ ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል ክትክሕዶ ዝቐነየት ነቲ ኣብ ቤትጽፈት ቆንሱል እተኻየደ ናይ ጃማል ካሾጊ ቅትለት ተኣሚና። ይኹንምበር፡ ነቲ ቅትለት ብመደብ ዘይኮነስ ብባእሲ ጀሚሩ ብዘይተሓስበ መገዲ ከም እተፈጸመ ገይራ እያ ትገልጾ ዘላ።

ሕጂውን እቲ ስዑዲ ዓረብ እትብሎ ዘላ፡ ምስቲ ናይ ቱርኪ መግለጺ ኣይቃዶን እዩ፡ ከመይሲ ብመሰረት ማዕከናት ቱርኪ እቲ ቅትለት በቶም ብወራስዓራት ዝኾነ መሓመድ ቢን ሳልማን እተላእኩ ኮማንዶስ እዩ ተፈጺሙ።

ብመሰረት ማዕከናት ቱርኪ፡ እቲ ቅትለት ድሕሪ ባእሲ ዘይኮነስ፡ ካሾጊ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ምስ ኣተወ ብቕጽበት እዩ ተኻዪዱ።

ስዑዲ ዓረብ ግን፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ብዛዕባ ቅትለት ካሾጊ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ከም ዘይብሉ ትሕብር።

ገለ ማዕከናት ከም ዚብሉዎ፡ እቲ ትእዛዝ፡ ንምቕታል ካሾጊ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ዕላማኡ ግን ናብ ስዑዲ ንምምጻእ ከም ዝነበረ ዚገልጽ እዩ።

ብመሰረት ማዕከናት ስዑዲ ዓረብ፡ እቲ ምርመራ ይካየድ ኣሎ፡ ክሳዕ ሕጂ ድማ 18 ስዑዳውያን ተታሒዞም ኣለዉ።

በዚ መሰረትዚ፡ ናይ ስዑዲ ኣማኻሪ ሳውድ ኣል ካታኒ ካብ ስልጣኑ ተሰናቢቱ ኣሎ፡ ከምኡውን ናይ ደሕንነት ምክትል ሓላፊ ኣሕመድ ኣሲሪ።

ካሾጊ ጥቅምቲ 2 ከም ዘይተመርዓወ ዚምስክር ሰነድ ከውጽእ ናብቲ ኣብ ቱርኪ ዚርከብ ቤትጽሕፈት ቆንስል ስዑዲ ዝኸደ። ኣታ ቱርካዊት ሕጽይቱ ድማ ኣብ ደገ ትጽበዮ ነይራ፡ ይኹንምበር፡ ምስ ኣተወ ብኣኡ ኣቢሉ እዩ ዝጠፍአ።

ቅትለት ካሾጊ ኣብ መላእ ዓለም ስግኣት ኣሕዲሩ፡ ብዙሓት ሃገራት ድማ ንስዑዲ ማዕቀብ ኪገብራላ ይደልያ ኣሎዋ።

ስዑዲ ዓረብ መልሓሳ ዝለወጠት ካብቲ ናይ ቱርኪ መርመራ ከተምልጥ ስለ ዘይከኣለት እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ግን ነቲ ቅትለት ኣሚኑሉ ከብቅዕ ምስ ስዑዲ ዘለዎ ርክብ ግን ከቋርጽ ኣይደለየን። ንሱ ቅድም ዝኾነ ስጉምቲ ምውሳድ ምስ ወራስ ዓራትመሓመድ ቢን ሳልማን ኪዘራረብ ይደሊ።

ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝምድና ነቲ ናይ ኣመሪካ ናይ ስራሕ ዕድላት ስለ ዚጸልዎ፡ ትራምፕ ነዚ ዕድልዚ ከጥፍኦ ኣይደልን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com