Thursday , March 28 2024
ስእሊ SEDAT SUNA/TT

ስዑዲ ዓረብ ንቕትለት ካሾጊ ትእመኖ ትመስል

ኣባላት ፖሊስ ቱርኪ ሎሚ ለይቲ ኣብቲ ናይ ስዑዲ ቆንስል ቤትጽሕፈት ብምእታው ገለ ንመርትዖ ዘገልግል ነገራት ወሲዶም። ብመሰረት CNN    ዚብሃል ማዕከን ዜና ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ቅትለት ካሾጊ ክትእመኖ ዝደለየት ትመስል ይብል፡ ነቲ ቅትለት ድማ ከም ኣብ መርመራ እተፈጸመ ጌጋ እዩ ትብሎ።T

ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ እውን ነዚ ስዑዲ እትብሎ ዘላ መግለጺ ብምድጋፍ፡ እቲ ንጉስ ምስቲ ቅትለት ምንም ምትእስሳር ከም ዘይብሉ ይሕብር።

CNN ዚህቦ ዘሎ መግለጺ ልክዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ እቲ ገበን ናብቲ ንጉስ ወይ ወዲንጉስ ዘይኮነስ ናብቶም መርምርቲ ከም ዚቐንዕ እዩ ዚፍተን ዘሎ።

ይኹንምበር ብመሰረት ኒዩዮርክ ታይምስ፡ እቲ ወዲንጉስ እዩ ንካሾጊ ኪምርመርን ናብ ስዑዲ ዓረብ ኪውሰድን ትእዛዝ ዝሃበ። ኣብዚ ግን እቲ መርማሪ ብስምዒት ይምርምር ስለ ዝነበረ፡ ንካሾጊ ከም ዚመውቱ ገይሩዎ።

እቲ ብስምዒት ዝቐተለ መርማሪ፡ ዓርኪ ናይቲ መሓመድ ቢን ሳልማን እተባህለ ወዲንጉስ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።ኣመሪካ ነዚ ዚብሃል ዘሎ ሓበሬታ እንተ ደኣ ተቐቢላቶ፡ ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ናይቲ ንግስነት ነቐፍቲ ህይወት ኣብ ሓደጋ ከም ዚወድቕ ፍሉጥ እዩ።ሽሕካኳ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ተግባር ብብርቱዕ መቕጻዕቲ ኪምልሸሉ ምዃኑ እንተ ሓበረ፡ ናይ ስዑዲ መሪሕነት ግን ነቲ ናይ ኣመሪካ መቕጻዕቲ ብናቱ ናይ ሕነምፍዳይ ተግባራት ኪምክቶ ከም ዝኾነ ይገልጽ፡ ናይ ስዑዲ ቁጠባ ኣብ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ድማ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com