Friday , April 19 2024

ስዑዳዊ ኲባንያ ኣራምኮ፡ መኽሰባቱ ብ 45% ምንቊልቋሉ ተገሊጹ

ሓደ ካብ ዝዓበዩ ኲባንያታት ዓለምና ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ስዑዳዊ ኣራምኮ፡ ኣብ ዓመተ 2020፡ ኣስታት 49 ቢልዮን ዶላር መኽሰብ እኳ እንተረኸበ፡ ምስ ናይ 2019 እንክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ 45% ምንቊልቋል ኣርእዩ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ እቲ ትካል፡ ዓመተ 2020፡ ንዓና ዝጸንከረት ዓመት እያ ክብል ተዛሪቡ። ብዙሓት ሃገራት ጒዕዞ ብምኽልካለንን ኢንዱስትሪታተን ብምዕጻወንን ጠለብ ነዳዲን ጋዝን ክንኪ ምግባሩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ከምኒ ሮያል ዳች፡ ሼልን ቢፒን ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓበይቲ ኲባንያታት ነዳዲ’ውን ብተመሳሳሊ ኣታዊኦም ኣመና ምንቊልቋሉ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብ ወርሒ መስከረም ንደሓር፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ $ 64.54 ምብጽሑ፡ ካብቲ ወዲቕዎ ዝነብረ ባይታ ዘበጥ ዋጋ ምትንሳኡ፡ ዝዝከር እዩ። ኣብ ኤስያን ካልኦት ሃገራትን ገለ ምልክታት ምብርባራት ይረአ ኣሎ” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣራምኮ ስዑዲ ኣሚን ናስር ገሊጹ። “ሃገራት እናተኸፍታ ብዝኸዳ መጠን እዚ ክውስኽ ትጽቢታት ኣሎና” ኢሉ። እዚ ይዂንምበር ኣራምኮ ቀሊል ዘይበሃል ካልእ ብድሆታት ኣለዎ። ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኲናት የመን ብዝገበረቶ ምትእትታው ክልተ ካብ መደበራቱ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝወረዶ፥ ዝሓለፈ ዓርቢ ድማ ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ሪያድ መጥቃዕቲ ከም እተኻየደን ገሊጹ። ዝዓበየ በዓልብርኪ ኣራምኮ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com