Thursday , March 28 2024

ስዑድያ ዜግነት ወዲ ቢንላደን ሰሪዛ።

ስዑድያ ዜግነት ወዲ ቢንላደን ከም ዝሰረዘት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዑማ-ኣልቑራ ኣብ ዝተባህለ ጋዜጣ ዝተሓትመ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ውሳነ ብትእዛዝ እቲ ንግስነት ኣብ ወርሒ ሕዳር እዩ ተመሓላሊፉ እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ ጽባሕ’ቲ ኣሜሪካ ሃለዋት ወዲ ቢንላደን ንዝሕብራ ሰብ ክሳብ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ህያብ ከም እትህብ ዘፍለጠትሉ ዕለት እዩ ተወሲዱ።

እቲ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ከም ‘ተካኢ መራሒ” ዝግለጽ ሓምዛ ቢንላደን ካብ 2017 ኣትሒዙ ከም “ኣሸባሪ” ክድለ እዩ ጸኒሑ።

ሓምዛ ቢንላደን ሕነ ናይቲ ኣብ 2011 ብሓይልታት ኣሜሪካ ዝተቐትለ ኣቦኡ ንምፍዳይ ኣብ ርእሰ-ኸተማታት ሃገራት ምዕራብ መጥቃዕቲ ክካየድ ዝጽውዕ ናይ ድምጽን ምስልን መልእኽትታት ኣብ ኢንተርነት ክፍኑ ምጽንሑ እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com