Saturday , April 20 2024
Foto : Marcus Ericsson/TT

ስደተኛታት ንሽወደን ከም ቤቶም እዮም ዝርእይዋ ተባሂሉ።

ብመሰረት ሓደ ኣብ ጒዳይ ምውህሃድ ስደተኛታት ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝበዝሑ ዘይኣውሮጳውያን ስደተኛታት ካብ ዓዶም ንላዕሊ ኣብ ሽወደን ምህላው ውሕስነት ከም ዝስምዖም ተገሊጹ።

እዚ መጽናዕቲ ልዕሊ 6000 ስደተኛታት ሕቶ ኣብ ምምላስ ምስታፎም ተፈሊጡ።

ትካል ፍዩቸር ስታዲስ ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ዝመጹ ዘይኣውሮጳዉያን ስደተኛታት ን ሽወደን ብኸመይ ይርእይዋ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ምስ 6500 ስደተኛታት ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ኣዳልዩ ኔሩ።

ዋላኳ ኣብ ማዕከናት መራኸቢ ተመዓደውትን ንሓድሕዶም ዝናቘቱን ጌርካ ንምቕራብ ይፍተን እንተሎ እቲ ሓቂ ግና ዝበዝሑ ስደተኛታት ንሽወደን ብዙሕ ከም ዝፈትዉዋ እዩ ይብል ቀንዲ ተመራማሪ እዚ ጒዳይ Bi Puranel ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ።

ዋላኳ ኣብ ማዕከናት መራኸቢ ተመዓደውትን ንሓድሕዶም ዝናቘቱን ጌርካ ንምቕራብ ይፍተን እንተሎ እቲ ሓቂ ግና ዝበዝሑ ስደተኛታት ንሽወደን ብዙሕ ከም ዝፈትዉዋ እዩ ይብል ቀንዲ ተመራማሪ እዚ ጒዳይ Bi Puranel ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com