Thursday , April 25 2024
Owen Humphreys/TT

ሶልሻየር ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ታሪኽ የሕድስ !

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሶልሻየር ካብ ኣርባዕተ ጸወታታት 12 ሙሉእ ነጥቢ ብምእካብ ንጸወታ ቦክሲን ማች ብሙሉእ ዓወት ብምዝዛም ጉዕዞኣ ትቕጽል።

እዚ ዝኾነሉ ትማሊ ምሸት ናብ ኒው ካስትል ተጓዒዛ ሉካኹን ራሽፎልድን ብዘመዝገብወን ሸቶታት 2 ብ 0 ብምዕዋት እዩ።

ኣሰልጣኒ ሶልሻየር ኣብ 1946  ብ ሰር ማት ባስቢ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ማለት ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ኣብ መጀመሪያ ስርሑ ተኻታታሊ 4 ዓወታት ብምምዝጋብ ተመዓራሪዎ ኣሎ።

ማት ናስቢ ኣብ 1946 ናይ መጀመርያ ዓላሚ ዩናይትድ ኣብ 4 ተኻታታሊ ጸውታታት ዓወት ብምምዝጋብ ሲጋብ ሎሚ ዘይተደፍረ ክብረወስን ብምሓዛ ን 25 ዓመታት ከም ኣስልጣኒ ኮይኑ ዝሰርሔ እዩ።

ብተወሳኺ ማት ናስቢ ሓደ ካብቶም ካብ ሓደጋ ነፋሪት ሙኒኽ ብሂወቶም ዝድሓኑ ኮይኑ ናይ ሰር ክብሪ ዝረኸበ ሓደ ካብ ተዘከርቲ ዓለምቲ ማንቸስተር እዩ።

ማንዩናይትድ ብናይ ትማሊ ዓወት ተሓጊዛ ነጥቢ ናብ 38 ክብ ብምባል ካብ 4ይቲ ደርጃ ዘላ ክለብ ቸልሲ ብ 4 ነጥቢ ተበሊጻ ኣብ ሻዱሻይ ተርታ ፕሪመርሊግ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com