Friday , April 26 2024

ሶማል፡ ስእሊ ዘልዕላ ደቀንስትዮ ከም ንቡር ክውሰዳ እየ ዝደሊ

ሶማል ዝበሃል ስም እንክለዓል፡ ውግእ ሕድሕድን ዝፈረሰ ኣባይትን እዩ ናብ ኣእምሮና ዝቕጀል። ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ሜሪ ሃርፐር፡ ነዚ ኣረዳድኣና ዝብድህ ኣብ ሞቓድሾ ዝተኻየደ ስእላዊ ኤግዚቢሽንን ኣመታቱን ከምዚ ዝስዕብ ኣዳልያቶ ኣላ። ኣብ ሓደ ጻዕዳ ሕብሪ፡ እተለቕለቐ ዓብዪ ቀጽሪ ሆቴል እተንጠልጠለ ፎቶግራፍ ክልተ ሶማላውያን ሰኣልቲ ይረአ።

ቀንዲ ሓሳብ ናይዚ ስእላዊ ምርኢት ዘልዓለት ዳይረክተር፡ ናይቲ ኣብ መስከረም 2020 እተመስረተ ሶማሊ ኣርት ፋውንዴሽን ዝኾነት፡ ሳጋል ዓሊ፡ እያ። ንሳ ኣብ ሕብረተሰብ ሶማል፡ ሰኣላይ ምዃን ንወዲ ተባዕታይ ጥራይ እተሓዝአ ክሳብ ዝመስል ደቀንስትዮ ፈጺምካ ኣይትርኢን ኢኻ። ደቀንስትዮ ግዳም ወጺአን መዓልታዊ ሂወተን ብስእሊ ክስንዳ ንቡር ኣይኮነን” በሃሊት እያ።

ኣብ ሃገርና፡ ንዝሓለፋ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት፡ ባህሊን ተበላሓትነትን ኣጥፊኡ እዩ። ባህገይ፡ እዞም ነገራት ክበራበሩ ምርኣይ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ስነጥበባዊ ስራሕ ከበርክታ ከም ዝኽእላ፡ ብግብሪ ብምርኣይ፡ ነቲ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ ምብዳህ ቀንዲ ዕላማኣ ምዃኑ ድማ ኣብሪሃ።

ሓንቲ ካብዘን ሰኣልቲ፡ ፌርዶሳ ሑሴን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝተመንዘዐኦ ህዝባዊ ቦታታት ክውንና ኣገዳሲ እዩ ኢላትኒ። ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት እንክትስእል ዝረኽቡዋ ሰብኡት፡ ኣብዚ ጎደና እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፥ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ገዝኣ ክትወጽእ የብላን እዮም ዝብሉኒ ብምባል ትገልጽ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ግዳም ወጺአን ብዘይፍርሂን ምንግልታዕን ክስእላ ንቡር ክኸውን እየ ዝደሊ ትብል።

ብዛዕባ ሶማል ዘሎ ትረኻ ምዕራባውያን እዮም ዓብሊሎሞ ጸኒሖም። ንሕና ነዚ ክንብድሆን ሶማል ብዘይካ ኲናትን ዝፈረሰ ኣባይትን ካልእ ገጽ ከም ዘለዋን ንዓለም ክንነግራ ኢና ንደሊ ክብላ እዘን ስነጥበባውያን ገሊጸን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com