Thursday , April 25 2024

ሸንገን ቪዛ ምምሕያሻት ይግበረሉ!!

ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዕጋት ኣብ ዙርያ ሸንገን ቪዛን ሕጋውያን ተጉዓዝትን ገለ ምምሕያሻት ሕጊ ምግባሩ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ምምሕያሽ ሕጊ ንመስርሕ ቪዛ ኣውሮጳ ንጹርን ስሉጥን ክገብሮ እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኣውሮጳዊ ሕብረት ገሊጹ’ሎ።

ገለ ካብቲ ምምሕያሻት ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ሕቶ ምቕራብን ክሳብ 6 ወርሒ ዝጸንሕ ቪዛ ምሃብን እዮም። እዚ ቪዛ ተደጋጋሚ ምእታው ዘፍቅድ ከም ዝኸውን እውን ተገሊጹ’ሎ። እዚ ኣብ መንጐ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝህሉ ዝምድና ንምድልዳል እውን ዝሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com