Thursday , April 25 2024
TT

ሸወዓተ ሰባት ብቕትለት ይኽሰሱ።

ቤት-ፍርዲ ስቶክሆልም ሎሚ ንሽዱሽተ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዝቕመጡ ሰባት ዝሓለፈ ሰነ ኣብ Lidingo ንዝነብር ሰብኣይ ብጥይት ቀቲልኩም ብዝብል ከሲስዎም ኣሎ።

ብመሰረት ዓቃቢ ሕጊ ዝፈነዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዞም ሽወዓተ ጥርጡራት ብቕትለትን ምውናን ኣጽዋርን ተጠርጢሮም ኣብ ማሕዩር ምህላዎምን ገሊጹ’ሎ።

እዞም ክሱሳት ኣብ ክሊ ዕድመ 17 ክሳብ 22 ዝርከቡ ኮይኖም ኩሎም ኣብ ስቶክሆልም ከም ዝቕመጡን ምስ Ledengo ምንም ርክብ ከም ዘይብሎምን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ክልተ ካብዞም ጥርጡራት ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ዮተበሪ ብቕትለት ተጠርጢሮም ምስ ምንባሮም እቲ ናይ ክሲ መስርሕ ኣብ ቀዳማይ ቤትፍርዲ ዮተበሪ ከትሓዝ ከም እተገብረ ተፈሊጡ’ሎ።

“መርመራን ክሲን እዚ ናይ Ledengo ገበን ንነዊሕ እዋን ናይ ሞባይል ጻውዒትን መልእኽቲታትን ብምክትታል ትክኒካዊ መርመራን መሰኻኽርን ብምእካብ እተበጽሐ መደምደምታ እዩ” ክትብል ዋና መርማሪትን ዓቃቢት ሕጊን Sara Norling ገሊጻ’ላ።

እቲ መጋባእያ ኣብ ፈለማ ሚያዝያ ጀሚሩ ን15 መዓልታት ክጸንሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com