Tuesday , April 23 2024

ሽልማት ኖበል፥ ንሓድሽ ርኽበት ሕክምና ካንሰር

ኣብዚ ዓመትዚ እቲ ርኽበት ሓድሽ ሕክምና ካንሰር ብፊዚዮሎጂ ወይ ብመድሃኒት ኪሽለም እዩ። ንገሊኣቶም ብካንሰር ዝሳቐዩ ሕሙማት እዚ ሓዲስ ሕክምና ዘይተጸበዩዎ ነዊሕ ዓመታት ከንብሮም ይኽእል እዩ።

ነሓሰ 20115 እቲ ኣብቲ እዋንቲ 90 ዓመት ዝነበሮ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት-ነበር ጂሚ ካርተር እቲ ካንሰሩ ካብ ቆርበቱ ናብ ጸላም ከብዱን ሓንጎሉን ከም እተዘርገሐ ነጊሩ ነይሩ።

ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ንኹሉ ድሉው እየ ኢሉ። ንኹሉ ድሉው እየ ሓድሽ ኩነታት ድማ እጽበ ኢሉ። ጽቡቕ ህይወት ኣሕሊፈ ኢሉ እናጎሃየ፡ ግን ኣየማረረን።

ይኹንምበር፡ ካርተር ዕድለኛ እዩ። ፐንብሮሊዙማብ ዚብሃል ፈውሲ ፈቲኖሙሉ። ኣብ ሰለስተ ወርሑ እቲ ካንሰሩ ጠፊኡ። እቶም ሓከምቲ ገሪሙዎም።

ድሕሪ ስለስተ ዓመታት ጂሚ ካርተር ብህይወት ኣሎ። ጥቅምቲ 1 ድማ መበል 94 ዓመቱ ከኽብር እዩ።  እቶም ነቲ ኣፋውስ ዝረኸቡ ድማ ብፊዝዮሎጅን ኣፋውስን ኖበል ሽልማት ኪሽለሙ እዮም።

ገጽካ ክትሕጸብ ትግደድ

እቶም ዚሽለሙ ሰባት፡ እቲ ጃፓናዊ ታሱኩ ሆንጆን እቲ ኣመሪካዊ ጀይምስ ፒ ኣሊሶንን እዮም።  ንሳቶም ብናይ ኢሙኖተራፒ እዮም ተሸሊሞም። ብዛዕባዚ TT ቀዳማይ ኮይኑ ነቲ ዜና ዘርጊሑዎ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ኖበል ሽልማት ኮሚተ።

የቐንየለይ፡ የቐንየለይ ዋው ኢሉ ንሱ፡ TT ነቲ ሓበሬታ ንግሆ ሰዓት 7፡30 ብተለፎን ገይሩ ምስ ነገሮ።

ንሱ ነቲ ናይ AFP ቤትጽሕፈት ዜና ከምዚ ብምባል ተዛሪቡ፥

ነቶም ነዚ ፈውስዚ ብምጥቃም ዝሓወዩ ሕሙማን ምርካብ ዓቢ ስምዒት የሕድር እዩ። እዚ ድማ ነቲ መሰረታዊ ሳየንሳዊ ምርመራ ነባሪ ምስክር እዩ፡ ንኽንምሃርን ብዛዕባ ነገራት ከመይ ከም ዚሰርሑ ንኽንመራመርን ድማ ይድርኸና ይብል።

እቲ ኣመሪካዊ ጀይምስ ፒ ኣሊሶንን ምስ እቲ ጃፓናዊ ታሱኩ ሆንጆን ነቲ ሽልማት ይካፈሉዎ።

ብመሰረት ቤትጽሕፈት AFP እቲ 76 ዝዕድመኡ ጃፓናዊ ነቲ ስራሕ ከም ዚቕጽሎን ንብዙሓት ሰባት ከሕውን ድሌቱ ይገልጽ።

ፍሉይ ሕክምና

እዞም ተመራመርቲ፡ በቲ ”ንኢምዩኒቲ ዚሰብር መካኒዝም ደው ዘብል ናይ ካንሰር ሕክምና ርኽበቶም” እዮም ሽልማት ረኺቦም።

ቶማስ ፐርለማን፡ ፕሮፈሶርን ቀዋሚ ሰክረታሪ ኮሚተ ኖበል ካሮሊኒስካ ኢንስቲትዩት፡ ንሳቶም በቲ ናይ ካንሰር ሕክምና ዘማዕበሉዎ ኣገባብ እዮም ተሸሊሞም ይብል።

ንሱ ይብል፡ ቅድሚ ሕጂ ስለስተ ዓይነታ ሕክምና እዩ ነይሩ፥ መጥባሕቲ፡ ጸርጋዊ ሕክምናን ናይ ሰል ምረዛን እዮም፡ ንሳቶም ድማ ኩላቶም ኣብቲ ሰል እዮም ዘተኩሩ ነይሮም። ሕጂ ግን ኢሙኖተራፒ ዚብሃል ተረኺቡ ኣሎ።

ነዚ ሓድሽ ርኸብት ፍሉይ ዚገብሮ፡ እቲ መድሃኒት ነቲ ናይ ኢምዩን ሲስተም ደው ምባል ስለ ዚከላኸሎ እዩ። ምስ ዘይከላኸለሉ እቲ ሕማም ነቲ ሰላት ይቐትሎ፡ ይብል ቶማስ ፐርልማን።

ብልክዕ ኣይፈልጥን

እቶም እተፈላለዩ መድሃኒታት ክሳዕ ሕጂ ነቲ ናይ ቆርበት ካንሰር እዮም ዚከላኸሉ፡ ከምኡውን ገለ ዓይነት ናይ ሳምቡእን ደምን ካንሰር። ግን ከኣ እቲ ፈውሲ ኣብቶም ሕሙማት ፍልልይ ይገብር እዩ። ገለ ሕሙማት ከም ጂሚ ካርተር በቲ ፈውሲ ጽቡቕ ውጽኢት ኪረኽቡ ከለዉ፡ ንገሊኣቶም ግን ኣይጠቕሞምን እዩ።

ስለምንታይ ከምኡ ከም ዚኸውን ኣይንፈልጥን፡ ግን ሓደ መዓልቲ ኣየኖት ሕሙማት እዮም በቲ ሕክምና ጽቡቕ ውጽኢት ዚረኽቡ ወይ ዘይረኽቡ ክንፈልጥ ኢና ይብል ቶማስ ፐርልማን።

Johannes Cleris/TT

Johan Nilsson/TT

ሓቅታት፥ ብዛዕባ ተሸለምቲ

TT

ጀምይምስ ፒ ኣሊሶን ብ 1948 እዩ ኣብ ኣሊስ ተክሳስ ኣመሪካ ተወሊዱ። ንሱ ብ1973 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተክሳስ፡ ህዩስቶን ናይ ዶክተረይት መዓርግ ወሲዱ። ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ተክሳስ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር እዩ።

ታሳኩ ሆንዮ ኣብ ክዮቶ ጃፓን ብ1942 ተወሊዱ። ብ1975 ናይ ዶክቶረይት መዓርግ ወሲዱ፡ ካብ 1984 ጀሚሩ ድማ ኣብ ተክሳስ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሶር እዩ።

ሓቅነታት፥ ንፕሮቲን ምዕጋት

TT

እቲ ሓድሽ መድሃኒት ነቲ PD1  እተባህለ ፕሮቲን ዚዓግቶ ጸረ-ኣካላት ኣለዎ። እዚ ፕሮቲንዚ ምስቲ ጽካዊ ሕሙም ሰል ይላገብ፡ በዚ መገድዚ ድማ እቲ ናይ ኣካል መከላኸሊ ነቲ ጽካዊ ሰላት ከየጥቅዖ ይዓግቶ።

እዚ ፈውስዚ ካብ 2011 ጀሚሩ ከም ኣንጻር ምዝርጋሕ ናይ ቆርበት ካንሰር ይዝውተር ኣሎ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ድማ ምስ ምዝርጋሕ ካንሰር ሳምቡእ።

ብመሰረት ማሕበራዊ ምሕደራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4023 ሽወደናውያን ብካንሰር ሓሚሞም። ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ድማ እቲ ሕማም ኣብ ሰብኡት ቀኒሱ፡ ኣብ ኣንስቲ ግን ወሲኹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com